ኤርትራ እትርከበን ልዕሊ 40 ሃገራት፣ ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ተሳቲፈን

ኤርትራ እትርከበን ልዕሊ 40 ሃገራት፣ ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ተሳቲፈን

Radio Erena: 19 May 2016

Afri Ita

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝርከቦም ልዕሊ 40 ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ዋዕላ ኣብ ሮማ ኣካይዶም።

እቲ ብሮቡዕ 18 ግንቦት ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ኣብ ሊብያ ምርግጋእ ብምፍጣር፣ ብመንገዲ እታ ሃገር ንዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ዝብል ነጥቢ ዘተኮረ’ዩ።

ኢጣልያ፣ እዚ ንዋሕዚ ስደተኛታት ክገትእ ይኽእል’ዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲራትሉ ዘላ ዋዕላ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንመጻኢ’ውን ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኛተኻየ ብስሩዕ ክቕጽል ከምእትደሊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ፓውሎ ጀንቲሎኒ ኣፍሊጡ።

 

እቲ ሚኒስተር፣ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ኢጣልያን ቅድሚ ምጅማሩ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊብያ መሓመድ ሲያላ ኣብ ጉዳይ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልክተ ስምምዓት ከምዝኸተመ ይፍለጥ።

ኢጣልያ፣ ነዚ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ከተካይዶ ወጢና ዘላ ስደተኛታት ናይ ምግታእ መደባት ደገፍ ሕብረት ኤውሮጳ ንምርካብ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ብራስለስ ብ ዘካየድ ኣኼባ ናይቲ ሕብረት ከተቕርቦ’ያ።

ኢጣልያ ነዚ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር፣ ኣብ ሊብያ ምርግጋእ ብምፍጣር ዋሕዚ ስደተኛታት ናይ ምግታእ መደባት ንምትግባር ናይ ቢልዮናት ዶላራት ባጀት ወጢናትሉ ምህላዋ ይግለጽ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0