ካርቱምን ዋሽንግተንን ብጉዳይ ቪዛ ሰበ ስልጣን ይሰሓሓባ

ካርቱምን ዋሽንግተንን ብጉዳይ ቪዛ ሰበ ስልጣን ይሰሓሓባ

Radio Erena: 28 April 2016

Kh

መንግስቲ ኣመሪካ ናብታ ሃገር ንኽገሹ መእተዊ ቪዛ ዝሓተቱ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሱዳን ምኽልካሉ፣ ንመንግስቲ ሱዳን ኣቖጢዑ።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሲራጀዲን ሓሚድ፣ ብዛዕባ፣ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን መብርሂ ንምሕታት ንፈጻሚ ጉዳያት እቲ ኤምባሲ ቤንጃሚንግ ሞሊንግ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ከምዘዘራረበ’ውን ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብቲ ምስ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሱዳን እትገብሮ ዘላ ቪዛ ናይ ምኽልኻል ተደጋጋሚ መስርሕ ከምዘቖጥዖ ገሊጹ።

 

እቶም ቪዛ ከምዝተኸልከሉ ዝጥቐሱ ዘለዉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሱዳን፣ ምስ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ብዝምልከት ናብ ኣመሪካ ንምጋሽ ዝሓተቱ’ዮም።

ኣቐዲሙ’ውን ሚኒስተር ውስጣዊ ጉዳያት ሱዳን ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሱዳን ናብ ኣመሪካ ዑደት ንምክያድ ቪዛ ከምዝተኸልከሉ፣ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ሱዳን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምጥቃሱ ይፍለጥ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጎንደር ብወገኑ፣ ኣመሪካ ከም መቐጸልታ ናይቲ ንሰበ ስልጣን ሱዳን ቪዛ ናይ ምኽልካል ስጉምቲ ንሚኒስተራት ጥዕናን ትምህርትን’ውን ብስራሕ ምኽንያት ናብ ኣመሪካ ከይገሹ ከምዞኣገተቶም ኣረጋጊጹ።

ካብ 2013 ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣናቱ ተደጋጋሚ ክስተት የጋጥም ከምዘሎ ዘማረረ መንግስቲ ሱዳን፣ ዛሕቲሉ ንዝርከብ ዲፕሎማስያዊ ኣመሪካን ሱዳንን ንኸይመሃየሽ ዕንቕፋት ካብ ዝኾኑ ዘለዉ ጉዳያት ምዃኑ’ዩ ዘረድእ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ብወገኑ፣ መንግስቲ ሱዳን ዝተሰምዖ ቁጠዐ ናብ ዋሽንግተን ከብጽሕ ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ጠንቒ እቲ ናይ ቪዛ ምስራዝ፣ ናይ ግዜን ምሕደራን ጉዳይ ብምዃኑ፣ ናብ ኣመሪካ ክገሹ መደብ ዘለዎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሱዳን ሓደ ወርሒ ቅድሚ መገሽኦም ቪዛ ክሓቱ ተማሕጺኑ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ንሓያሎ ዓመታት ብሰንኪ ዘንበረቶ እገዳ፣ ሓያሎ ሰበ ስልጣን ሱዳን ናብ ኣመሪካ ክገሹ ክትፈቕድ ኣይጸንሐትን።

ካብ 2013 ንደሓር ግና ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሱዳንን ዝጸንሐ ሓርፋፍ ዝምድና፣ ብመጠኑ ምምሕያሽ ከርኢ ብምጅማሩ፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ፣ ከተፋዅስ መደብ ከምዘለዋ ይንገር።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0