ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ኣግዒዙ

ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ኣግዒዙ

Radio Erena: 31 March 2016

par

ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ጎደናታት ክናበሩ ዝጸንሑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት፣ ብግዝያውነት ናብ ዝተዳለወሎም ውሑስ ቦታ ኣግዒዙ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን’ውን ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ ንኣስታት 400 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ናብ ውሑስ ቦታ እኳ እንተግዓዘ፣ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ናህሪ ስደተኛታት ብዕጽፊ ምውሳኹ ከምዘሻቐሎ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይጠቕስ።

እቲ ምምሕዳር፣ ነቶም በብእዋኑ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ፓሪስ፣ ተኣኻኾቦም ቴንዳታት ብምዝርጋሕ ኣብ ጎደናታት ክናበሩ ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ከግዕዝ ካብ ዝጅምር እዚ ንመበል 19 ግዜኡ’ዩ።

 

ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ዓበይቲ ኣጀንዳታት መንግስቲ ፈረንሳ ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ንዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ዘቖምዎ ዘይሕጋዊ መዓስከር ከዕኑ ከዕኑ ካብ ቤት ፍርዲ ስልጣን ከምዝተዋህቦ’ውን ኣይርሳዕን።

ይኩን’ምበር መብዛሕቶም እቶም ኣብ ካሌ ዝነበሩ ስደተኛታት ናብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ካልእ ቦታ ግዒዞም ይርከቡ።

እዞም ኣብ ፓሪስ ዝተኣኻኻአቡ’ውን ገለ ክፋል ናይቶም ኣብ ካሌ ዝነበሩ ክኮኑ ከምዝኽእሉ ምምሕዳር እታ ከተማ የመልክት።

ፈረንሳ ዋሕዚ ስደተኛታት ፍታሕ ክርከቦ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ብሓባር ምስራሕ ከምዘድሊ’ያ ትኣምን።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0