ሚ/ጉ ወጻኢ ቀጠር ብዛዕባ ምሩዅት ኵናት ኤርትራ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ጅቡቲ ተዘራሪቡ

ሚ/ጉ ወጻኢ ቀጠር ብዛዕባ ምሩዅት ኵናት ኤርትራ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ጅቡቲ ተዘራሪቡ

Radio Erena: 22 March 2016

Qat Dj

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር፣ ነቶም ብጅቡቲ ተታሒዞም ዘለዉ 19 ምሩዅት ኵናት ኤርትራ ንኽልቐቑ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ዝርርብ ኣካይዱ።

ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝተለቑ ኣርባዕተ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ኣሰንዩ፣ ብቀዳም19 መጋቢት ናብታ ሃገር ዝኣተወ ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣልታኒ፣ ብዛዕባ’ቶም ብጅቡቲ ተታሓሒዞም ዘለው ምሩዃት ኵናት ኤርትራን ዝቕጽል መስርሕ ናይቲ ዕርቅን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ጅቡትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ከምዝተዘራረበ ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ኣረዲኦም።

ኣሚር ቀጠር ሸሕ ጣሚም ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ’ውን ድሕሪ ምፍናው ምሩኻት ኵናት ጅቡቲ፣ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምድዋል ኣብቲ ጉዳይ ከምዝተዘራረቡ ኣገልግሎት ዜና ቀጠር ይሕብር።

 

ይኹን’ምበር እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ተቀይዶም ዝርከቡ 19 ምሩኻት ኵናት ኤርትራ፣ ናብቲ ህላዌኦም ክሒዱ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ ክምለሱ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ኤርትራን ጅቡትን ካብ 10 ክሳብ 13 ሰነ 2008 ኣብ ከባቢድ ዱሜራ ኣብ ዘካየድኦ ኵናት፣ ጅቡቲ 20 ኤርትራውያን ከምዝሓዘት ክትገልጽ እንከላ፣ ብውሕዱ 14 ካብ ኣባላት ሰራዊታ ከኣ ብኤርትራ ከምዝተታሕዙ’ያ ገሊጻ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ጅቡቲ ኵናት ከምዘይተኻየደ ብምኻሓድ፣ ብዛዕባ ምሩዃት ኵናት ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ከይሃበሉ’ዩ ጸኒሑ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምስዚ ናይ ሶማልን ጅቡትን ኩነታት ብዝተሓሓዝ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ድሕሪ ምንባሩ፣ እቲ መንግስቲ ምስ ጅቡቲ ንዝሎ ወጥሪ ብመንጎኝነት ቀጠር ክፈትሖ ከምዝተሰማምዐ ኣይርሳዕን።

ኣሚር ቀጠር ምስ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ ከኣ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብ18 መጋቢት ንኣርባዕተ ምሩዃት ኵናት ለቒቑ።

ጅቡቲ፣ ተሪፎም ብዝዕባ ዘለዉ ምሩዃት ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

እቶም ብጅቡቲ ተታሒዞም ዘለው 19 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ፣ ናብቲ ንሸሞንተ ዓመታት ህላዌኦም ዝኸሓደ መንግስቲ ኤርትራ ምምላስ እንተኣብዮም ብመንገዲ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክዕቆቡ ትጽቢት ኣሎ።

ሓደ ካብቶም 20 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ ብዝነበሮ ከቢድ መውጋእቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ከምዝዓረፈ ይፍለጥ።

====================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0