እስራኤል፣ ኣብ የመን ምስጢራዊ ወትሃደራዊ ስርሒት ብምክያድ 19 ኣይሁድ ኣውጺኣ

እስራኤል፣ ኣብ የመን ምስጢራዊ ወትሃደራዊ ስርሒት ብምክያድ 19 ኣይሁድ ኣውጺኣ

Radio Erena: 22 March 2016

Jews

እስራኤል፣ ኣብ የመን ምስጢራዊ ወትሃደራዊ ስርሒት ብምክያድ 19 ኣመንቲ ኣይሁዳውያን ከምዘውጽአት ኣፍሊጣ።

ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ብሰኑይ 21 መጋቢት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ በቲ ዝተኻየደ ምስጢራዊ ስርሒት 14 ኣመንቲ ኣይሁድ ካብ ራይዳ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዋ ሓንቲ ስድራ ከኣ ካብ ከተማ ሰንዓ ከምዝወጹ ብምግባር ናብ እስራኤል ከምዝገዓዙ ኣረጋጊጾም።

ካብ ራይዳ ካብ ዝወጹ 14 ኣመንቲ ኣይሁድ፣ ሓደ መራሒ’ቲ እምነት ማለት ራባይ ክርከቦም እንከሎ፣ ካብ 500 ክሳብ 600 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ -ቶራ’ውን ኣብቲ ስርሒት ንእግረ መንገዶም ከምዝተማልኡ’ውን መግለጺ መንግስቲ የመልክት።

 

ብምስጢራዊ ወትሃደራዊ ስርሒት ካብ የመን ዝወጹ 19 ኣይሁዳውያን ኣብታ ሃገር ካብ ዝነበሩ እቶም ናብ እስራኤል ንምግዓዝ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ናይ መወዳእታ’ዮም ክትብል’ያ እስራኤል ትጠቅስ።

ኣብ የመን ኣስታት 50 ዝኾኑ ኣመንቲ ኣይሁድ ተሪፎም ከምዘለዉ ዝሓበረ ጸብጻብ መንግስቲ፣ ካብታ ንወለዶታት ክቕመጡላ ዝጸንሑ ሃገሮም የመን ክወጹ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ የመልክት።

ብስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ኣብ የመን ጽዑቕ ወትሃደራዊ ምክትታልን መጥቃዕታትን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ እስራኤል ምስጢራዊ ወትሃደራዊ ስርሒት ብምክያድ ኣመንቲ ኣይሁድ ከተውጽእ ምኽኣላ፣ ንወትሃደራዊ ስለያ ሃገራት ወሽመጥ ዝበድሀ’ዩ እናተባህለ ይግለጽ ኣሎ።

ይኹን’ምበር እስራኤል ምስዘን ከም ሃገር ዘይፈልጥኣ ሃገራት ዓረብ ምስጢራዊ ምርድዳእ ብምክያድ፣ ነቶም ኣይሁዳውያን ካብ የመን ከተውጽኦ ከምዝኽአለት ካልኦት ወገናት ይጠቕሱ።

እስራኤል ኣብ 1948 ካብ ሃገር ካብ ዝቖመትሉ ክሳብ 1950 ጥራይ ኣስታት 50 ሽሕ ኣይሁዳውያን ካብ የመን ከምዘውጽአት መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0