ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ይቕጽል፣ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ክልል ካብ ስልጣኖም ይስጎጉ

ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ይቕጽል፣ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ክልል ካብ ስልጣኖም ይስጎጉ

Radio Erena: 03-03-16

Ambo

ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ብዝልዓለ መልክዑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ምስኡ ብዝተሓሓዝ ንኽልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ካብ መዝነቶም ተሰጕጎም

እቶም ካብ መዝነቶም ተሰጕጎም ዘለው ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፣ ኣካያዲ ስራሕ ኢህወደግ ኣቶ ዳባ ደቤሌን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሰለሙን ኩቺን ምዃኖም ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እዞም ክልተ ሰበ ስልጣን ካብ መዝነቶም ክእለዩ ዝኸኣሉ፣ መላፍንቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ ዝኾነ፣ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ህዝቢ ኦርሞ ብዛዕ’ቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ተጎሃሂሩ ዘሎ ናዕቢን ግጭትን ድሕሪ ዘካየዶ ገምጋም’ዩ።

 

ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ እናለሓመ ካብ ቁጽጽር ክልላዊ ምምሕዳር ኦሮሞ ወጻኢ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሽሓት ኣባላት ፈደራላዊ ፖሊስን ሰራዊትን ኣዋፊሩ ይርከብ።

ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ብዝሓየለ እናተጎሃሃረ ናብ ዋሊሶ’ውን ልሒሙ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዝኣብ ዋሊሶ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ፣ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ከምዝተቓጸለ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ኣምቦ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተቓጸለ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ደቪድ ካሜሮን ኣብ ህሉው ጸጥታዊ ኩነታት እታ ሃገርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት ንምዝርራብ ኣብ መወዳእታ ዕለታት ናይዚ ወርሒ’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0