ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ እገዳ ኤርትራ ዝተፈላለየ መርገጺ ይሕዛ

ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ እገዳ ኤርትራ ዝተፈላለየ መርገጺ ይሕዛ

Radio Erena: 23 February 2016

UNSC

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣልሸባብ ይሕግዝ ከምዘሎ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘይረኸበ ኣቦ መንበር ኮሚቴ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ራፋኤል ዳርዮ ራሚረዝ ካሬኖ ሓቢሩ።

ንሱ ነዚ ዝሓበረ፣ ኮሚተ እገዳ ሶማልን ኤርትራን ካብ ተቖጻጻሪት ጉጅለ ንዝቐረበ ተወሳኺ መጽናዕታት ብዝምልከት ብ18 ለካቲት 2016 ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ’ዩ።

ይኹን’ምበር ኤርትራ ንዝተፈላለዩ ኢትዮጵያን ተቓወምቲ ጉጅለታት ትድግፍ ምህላዋን፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ጅቡቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ከኣ ምስ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ምትሕብባር ሓንጊዳ ምህላዋን እቲ ኣቦ መንበር ገሊጹ።

 

ኤርትራ ኣብ ጉዳይ የመን ትሳተፍ እንተላ’ውን ንውሳኔ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝሓለፈ ውሳኔ 1907 ዝጻረር ምዃኑ’ውን ኣምልኪቱ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ሸሞንተ ክኢላታት ዘለዋ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ንሓድሽ ተበጊሳ ከምዘለዋ’ውን ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባ ተገሊጹ።

እቲ ብዛዕባ እገዳ ሶማልያን ኤርትራን ኣተኩሩ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንተቖጻጻሪት ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ ከይትኣቱ ንሰለስተ ዓመታት ከልኪሉዋ ምህላዉ ብምትሕስሳብ፣ እቲ መንግስቲ ምትሕብባር ከርኢ ደጊሙ ጸዊዑ።

ሓሙሽተ ቀወምቲ፣ ካብ ኩሉ ዞባታት ዓለም ዝተወከላ ኸኣ ዓሰርተ ዘይቀወምት ኣባላት ዘለዎ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ እገዳ ኤርትራ ዝተፈላለየ መርገጺ ሒዙ ምህላዉ’ውን ካብቲ ዘተ ምርዳእ ይከኣል።

ወኪል ኣመሪካ፣ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ክልዓለሉ ክጽውዕ ኣንከሎ በንጻሩ ከኣ ምስ ተቖጻጻሪት ጉጅለ ምትሕብባር ይኣቢሊ ድሕሪ ምባል፣ ብወገን ኤርትራ ዝተቀየረ ነገር የለን ክብል ደምዲሙ።

ወኪል ብሪጣንያ ድማ ሓድሽ ዕማም ሒዛ ተበጊሳ ምስ ዘላ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ለውጢ ክህሉን መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ምትሕብባር ከርእን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ ኣሎ።

ፈረንሳ ከኣ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣልሸባብ ይሕግዝ ከምዘሎ ዘረጋግጽ መርትዖ ዘይምህላዉ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓል ግና ኩሉ’ቲ ዘድሊ ተላበት ከምዘይተማልአ ኣመልኪቱ። ብፍላይ ብኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ጠቒሱ።

ሩስያ ከኣ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ጸቕቲ ፍረ ኣልቦ ኮይኑ ከምዘሎ ጥራይ’ዩ ኣተሓሳሲቡ።

ቻይና ብወገና፣ መንግስቲ ኤርትራ ሓደ ካብቲ ጠንቕታት’ቲ እገዳ ዝኾነ ጉዳይ ኣልሸባብ መርትዖ ካብ ዘይተረኽበሉ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ዝተነብረ እገዳ ተዛማዲ ለውጥታት ክግበር ኣለዎ ክትብል ብመንገዲ ወኪላ ገሊጻ

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ወኪል ሰኔጋል ከኣ፣ ብዛዕባ’ቲ ኤርትራ ምስ ሰራዊት ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ዝስለፉ ወትሃደራት ናብ የመን ልኢኻ ዝብል ጉዳይ፣ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ተወሳኺ ሓበሬታ ክእክብ ጠሊቡ።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ እገዳ ራፋኤል ዳርዮ ራሚረዝ ካሬኖ ናብ ኤርትራ ዑደት ከካይድ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናዕድመ ቀሪብሉ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣልሸባብ ይድግፍ ከምዘሎ መርትዖ ካብ ዘይተረኽበን ምስ ጅቡቲ ዘለዎ ኩነታት ከኣ ብመንጎኝነት ቀጠር ተታሒዙ ስለዘሎን፣ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ እገዳ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ኣለዎ ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2009 ከምኡ ድማ 2011 ኣትሒዙ ንኽልተ እዋን ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተነብረሉ እገዳ ንኽልዓል፣ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ኣብ ምክያድን ንሓያሎ ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራውያን ውድባትን ከኣ ናብ ኤርትራ ዑደት ከካይዱ ኣብ ምዕዳምን ተጸሚዱ ይርከብ።

==================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0