ሓደ ሓደ ሰበ ስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ኢድ ኣለዎም ተባሂሉ

ሓደ ሓደ ሰበ ስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ኢድ ኣለዎም ተባሂሉ

Radio Erena: 23 February 2016

shagereb

ሓደ ሓደ ሰበ ስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ይነጥፉ ምህላዎም ብኢጋድን ሰሃን ዝተባህለ ትካልን ኣብ ዝተወደበ መጽናዕታዊ ጽሕፉ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ስደተኛታትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ወገናት ብዝተኣከበ ሓበሬታ ዝቀረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ኣብ ገለ እዋን ስደተኛታት ኣብ ውስጢ ዓድን ወጻእን ምስ ዝርከቡ ኣሰጋገርትን ደላሎን ብመንገዲ ኢንተርነት ብዝገብርዎ ርክባት ናብ ስደት ክጓረቱ እንከለዉ፣ ኣብ ካልእ እዋንት ከኣ ብቀጥታ ብሓለፍቲ መነግስቲ ኤርትራ ብመኪና ተጻዒኖም ካብ ሃገር ዝወጽሉ እዋናት ከምዘሎ የረድእ።

ኣብ ካልእ እዋናት’ውን ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ብምሻጥ ስደተኛታት ናይ ምስግጋር መስርሕ ከምዝካየድ እቲ መጽናዕቲ ይጠቕስ።

 

ኣዘዝቲ ሰርዊት፣ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝተዋፈሩን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ተዋፊሮም ምህልዎም ህዝቢ ኤርትራ ብሰፊሑ ዝዛረበሉ ጉዳይ ምዃኖም ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብስግረ ዶብ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን፣ ነቶም ዝሓዝዎም ኣዘዝቲ ምክትታል ዶባትን ካልኦት ሓይልታትን ብኡ ንብኡ ክሳብ ሓደ ሽሕ ዶላር ጉቦ ብምኽፋል ዝወጹ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ምስ ካልኣዩ ናብ ሱዳን ክሰግር ዝተታሕዘ ተማሃራይ ማይ ነፍሒ፣ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምብጽሖም ነቲ ዝሓዞም ናይ ቀረባ ኣዛዚ ሰራዊት ኣብ ኢዶም ዝነበረ ብድምር 1600ዶላር ጉቦ ድሕሪ ምሃቦም፣ እቲ ኣዛዚ ነቲ ዘስግሮም ዝነበረ ሰብ ናብ ቦትኦም ክመልሶም ብምጥንቃቕ ኣብ ከባቢ ተሰነይ ከምዝፈነውዎም ገሊጹ።

እንተኾነ ድሕሪ ዝተወሰነ ሰሙናውት’ውን እቲ መንእሰይ ተመሳሳሊ ናይ ስግረ ዶብ ፈተነ ብምክያድ ሱዳን ከምዝኣተወ ይጠቕስ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0