ንስለያን ምጽንጻንን ካብ ሚኒስትሪታት ዝተመመዩ መንእሰያት ኣብ ደንጎሎ፣ ማይሓባርን እምባትካላን ስልጠና ይወስዱ

ምዕዝምዛምን ስዉር ተቓውሞን ህዝብን ኣብ ኤርትራ እናገነነ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ንሰራሕተኛታት ዝተፋለለያ ትካላት ዝጸናጸኑን ዝስልዩን ኣባላት እናፈለየ ኣብ ደንጎሎ ማይ ሓባርንን እምባትካላን ፍሉይ ስልጠናታት ይህብ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣቃሊዖም።

እቶም በብዝተፈላለየ ምኽንያታት ገሊኦም ድማ ንትምህርትሪ ካድር፣ ንማእቶትን ፍሉይ ስራሕን እናተብሃሉ ካብ ሚኒስትሪታትn ካልእት ትካላት መነግስትን እናተፍልዩ ክውሰዱ ዝጸንሑ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት፣ ንመሳርሕቶምን ከባቢኦም ንምጽንጻንን ንምስላይን ክዋፈሩ’ዮም።

 

እዚ ከምዚ ዓይነት ንኣባላት ሚኒስትሪታትን ዝተፋለላያ ትካላት መንግስትን ንምስላይን ንምጽንጻንን ተባሂሉ ዝካየድ ምዕሳብ ካብ ጽባሕ ናጽነት ክስርሓሉ ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ድሕሪ ናጽነት ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዕዝምዛምን ስዉር ተቓውሞን ህዝቢ እናገነነ ስለዝመጸ፣ ንምፍርራሕን ኣብ መንጎ ህዝቢ ምትእምማን ንምጥፋእን ተባሂሉ ብብዝሒ ይድፍኣሉ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ኣባላት ሚኒስትሪታትን ትካላት መንግስትን በብጉጅለታት እናተሓርዩ ኣብ ናቕፋ ቤት ትምህርቲ ካድር ከምዝወስዱ ክግበር ዝጸንሐ ኮይኑ፣ እዚ ሕጂ ኣብ እምባትካላ፣ ደንጎሎን ማይሓባርን ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ግና ምስ ስለያን ምጽንጻንን ጥራይ ዝተተሓሓዘ፣ ኣብቲ ስልጠና ድሕሪ ምውፋር ኣብዚ ቀረባ ነቲ መንግስቲ ዝራሕረሐ ኣባል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ተወሳኪ መብርሂ ኣረዲኡ።

እቲ ስሙ ዓቒብናሉ ዘሎና ኣባል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ መንእሰይ፣ ኣብ 2007 ናይ ካድር ስልጠና ንምውሳድ ናብ ናቕፋ ድሕሪ ምኻዱ፣ ኣብ 2010 እንደገና ተወሳኺ ናይ ካድር ትምህርቲ ንመሳድ ብዝብል ናብ እምባትካላ ከምዝወረደን እንተኽዐን ዝተዋህቦ ስልጠና ምስ ስለያን ምጽንጻንን ዝተተሓሓዘ ምንባሩ ኣገንዚቡ።

እቶም ካብ ሓይሎ ሚኒስትሪታትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ዝመጹ ሰልጠንቲ ድማ በብጉጅለታትን መራሒ ጉጅለታትን ተመቓቒሎም ናብ ልምምድ ናብ ስራሕ ከምእተመልሱ ጠቒሱ።

ኣብ መጋቢት 2013 ድማ ከም እንደገና ተወሳኺ ስልጠና ንምውሳድ ናብ ደንጎሎ ከምዝተላእከ ዝሓበረ እቲ መንእሰይ፣ ብዘይ ድሌቱ ናብ ናይ ስለያን ምጽንጻንን ስራሕ ንምውፋር የገድድዎ ከምዝነበሩ ኣረዲኡ።

ንህይወቱ ስለዝፈርሐ ግና ነቲ ዝተዋህቦ ዕማም ኣብ ግብሪ ከየውዓለ ናብ ሱዳን ክሃድም ከምዝወሰነ ገሊጹ።

ኣባላት ስለያን ጸጥታን ብብዝሒ ተዘርዮም ከምዘለዉ ህዝቢ ዝፈልጥ እኳ እንተኾነ፣ ዝነበሮ ሽቑረራን ራዕድን እናኣለየ ምዕዝምዛማትን ስዉር ተቓውሞታትን ኣብ ምፍላቕ ይርከብ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0