ነዳዲ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ 12 ዓመታት ኣብ ዝተሓተ ዋጋ ወሪዱ

ነዳዲ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ 12 ዓመታት ኣብ ዝተሓተ ዋጋ ወሪዱ

Radio Erena: 14 January 2016

Oil

ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ኣንቖልቝሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዋጋ ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ካብ 30 ክሳብ 32 ዶላር ጥራይ ይሽየጥ ምህላዉ ኣብ ንግዲ ዘተኩራ ማዕከናት ዜና የመልክታ።

እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ተራእዩ ዘሎ ምንቑልቛል ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ኣብ 12 ዓመታት ካብ ዝተራእየ እቲ ዝተሓተ’ዩ።

ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ዶላር ንበርሚል እኳ እንተጸንሐ፣ ብሃንደበት’ዩ ናብ ኣስታት 30 ዶላር ወሪዱ ዘሎ።

ጠንቂ’ዚ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ፣ ኣብተን ነዳዲ ብብዝሒ ዘፍርያ ከም ስዑዲ ዓረብ፣ ኢራን፣ ሩስያን ቬኔዙዌላን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ምዃኑ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

 

ዋጋ ነዳዲ ካብዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ምንቁልቋል ዝሓሸ ምርግጋእ ከርኢ ተንተንቲ ቁጠባ ይትንበዩ እኳ እንተለዉ፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብቲ ቅድሚ 12 ዓመት ዝነበሮ ዋጋታት ክምለስ ከምዘይክእል ግና የረድኡ።

ብደረጃ ዓለም፣ ነዳዲ ብሕሱር ዋጋ ዝሽየጠላ ሃገር ቱርኪሚኒስታን ክትከውን እንከላ፣ ዝኸበረ ዋጋ ነዳዲ ዘለዋ ሃገር ከኣ ኤርትራ ምዃና ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ዝተኻየደ መጽናዕታት የመልክት።

ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ኣብ ዝወርደሉ እዋን’ውን እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ዋጋታት ነዳዲ ክውስኽ ደኣ’ምበር ክጎድል ኣይርአን’ዩ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0