ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር ረፈረንዱም ክካየድ’ዩ

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር ረፈረንዱም ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 14 January 2016

Dar

ዳርፉር ብጥምረት ከም ሓደ ዞባ ንምቕጻሉ ወይ ከኣ ናብ ሓሙሽተ ምምሕዳራት ንምብታኑ ዝዓለመ ረፈረንዱም ክካየድ’ዩ።

እዚ ካብ 11 ክሳብ 13 ሚያዝያ ዝካየድ ረፈረንዱም፣ ነቲ ካብ 2003 ኣትሒዙ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት እቲ ዞባ ነባሪ መፍትሒ ከናድየሉ ትጽቢት ይግበር።

ግጭት ዳርፉር መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ዞባ ኣብ ሓሙሽተ ምምሕዳት ድሕሪ ምብታኑ ከምዝተበታተነ ይዝከር።

ጸለምቲ ደቀባት እቲ ዞባ፣ እቲ ሓድሽ ናይ ምምሕዳር ቅርጺ ግዳያት ዓሌታዊ ኣድልዎን ተነጽሎን ከምዝገበሮም ብምጥቃስ፣ ዞባ ዳርፉር ብጥምረት ናይ ርእሰ ምምሕዳር መሰል ክወሃቦ’ዮም ክሓቱ ጸኒሖም።

 

እቲ ናይ ርእሰ ምምሕዳር መሰል ምስ ድሌት ህዝብን ግዜን ተራእዩ’ውን ክሳብ ምሉእ ናጽነት ዝጠልብ’ዩ።

ግጭት ዳርፉር እናበኣሰ ድሕሪ ምምጽኡ ከኣ፣ ብመንግስቲ ሱዳን ዝድገፉ ናይ ኣዕራብ መበቖል ዘለዎም ሚሊሻ ጃንጃዊድ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ደቀባት እቲ ዞባ ዓሌት ናይ ምጽናት ተግባራት ከምዝፈጸሙ ማሕበረ ሰብ ዓለም የመልክት።

ብሰንኪ’ዚ ጉዳይ’ዚ’ውን ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተኸሲሱ ይርከብ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየድ ረፈረንዱም ዳርፉር፣ ብዘይዝኾነ ጸቕጢ ድሌት ህዝቢ ከተግብር እንተኽኢሉ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፕረዚደንት ተነቢሩ ዘሎ ክሲ ክዝሕትል ከምዝኽእል’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።

ረፈረንዱም ዳርፉር ክካየድ ዝተወሰነ፣ ኣብ መንጎ ተቃወምቲ እቲ ዞባን መንግስቲ ሱዳንን ብመንጎኝነት ቐጠር ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0