መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ኣብ መንፈሳዊ መንበሮም ክምለሱ ጸዊዑ

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ኣብ መንፈሳዊ መንበሮም ክምለሱ ጸዊዑ

Radio Erena: 08 January 2016

Abuna

ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ኣብ መንፈሳዊ መንበሮም ተመሊሶም ነቲ ንሶም ዘንበርዎ ውግዘት ከልዕልዎ፥ ቡራኬን ፍትሓትን ክህቡ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ጸዊዑ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ነዚ ዝጸውዐ ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኣብ መግለጺኡ፣ እግዚኣብሔር ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ ዘለዓልማዊ ዕረፍቲ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ክህቦም ንጽሊ ድሕሪ ምባል፣ ሕጋዊ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መንፈሳዊ መንበሮም ብዘይ ሕጊ ካብ ዝእለዩ ንደሓር፥ ኣብ ደምበ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ሰላም ከምዘይተረኽበ ኣዘኻኺሩ።

 

ንሕጊ ቤተ ክርስቲያን ግሂስካ ዝተገብረ ዓመጽ ዘኸተሎ ሃስያን ዝሰዓበ ቅልውላውን ድማ ንህላዌ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣናዊጽዋ ከምዘሎ ብምትሕስሳብ፣ ከም ውጽኢቱ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክልተ ተኸፊላ፥ ሕጋዊ (ፓትርያርክ) መራሒ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ተሓይሮም፥ ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ኣድማሳዊ ተነጽሎ ኣጋጢምዋ፥ ብዙሓት ዓገብ ዝበሉ ኣመንትን ውሉደ ክህነትን ተኣሲሮም: መስጎግቲ በጺሕዎም: ኣብታ ዘፍቅርዋ ቤተ ክርስቲያን እናገልገሉ ብሰላም ክነብሩ ስለዘይከኣሉ ናብ ስደት ኣምሪሖም ምህላዎም’ውን ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ዝተገብረ ጌጋ ኣብ ክንዲ ምእራም፥ ንጌጋ ካልእ ተወሳኺ ጌጋ ስለ ዝተደረቦ፥ እቲ ጉዳይ እምብዛ ሳዕሪሩ ብጓል-መገዲ ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ምምራጾም ብምዝክኻር፣ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ምስ ፈረሰ፥ ብቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዘይ ሕጊ “ፓትርያርክ” ተባሂሎም ዝመጹ ኣቡን ዲዮስቆሮስን፥ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ጳጳሳትን ብስም ስላሴ ዝተነብረ ውግዘት ከይተላዕለ ከኣ ሞት ኣቡነ ድዮስቆሮስ ምርካቡ ኣረዲኦም።

እቶም ብሕይወት ዘለዉ ኣቦታት ኣብ ልዕሊኦም ተነቢሩ ዘሎ ውግዘት ከይተላዕለ ብኸምኡ ኣገባብ ድዮም ክሓልፉ፧ ዚብል ሕቶ ንኹልና ኣፍሪሁናን ኣሰኪፉናን ዘሎ ጉዳይ’ዩ ድሕሪ ምባል ከኣ፣ “ቀዳማይ ጌጋ ስሕታን፥ ካልኣይ ጌጋ ግን ዕብዳን።” ከም ዝበሃል፡ እዚ ሓደገኛ ፍጻሜ እዚ ንኸይድገም፥ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ናብ ዝምልከቶም ኩሎም፥ ነዘን ዝስዕባ ትሽዓተ ለበዋን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

1. ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ኣብ መንፈሳዊ መንበሮም ተመሊሶም ነቲ ንሶም ዘንበርዎ ውግዘት ከልዕልዎ፥ ቡራኬን ፍትሓትን ክህቡ
2. ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሕይወት እናሃለዉ፥ ንሞት ኣቡን ዲዮስቆሮስ ምኽንያት ተጠቒሞም፥ “ዓቃቢ መንበር” ብዝብል ጉልባብ ኣብ መንበር እቶም ብሕጊ ዝተቐብኡ ፓትርያርክ ዝኾነ ሰብ ከይሽየም
3. መንግስቲ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ክፈትሖም። ኣቦታት ቤተክርስቲያን ንዕርቂ ኣብ ዝብገስሉ እዋን ካብ ዝኾነ መንግስታዊ ተጽዕኖ ሓራ ኮይኖም ክንቀሳቐሱን ስራሖም ከካይዱን። ብተወሳኺ እውን ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲታትን ቆንስላትን ፥ ካብ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ኢዶም ክስሕቡ
4. ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ካብ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ተነጺላ ንሓዋሩ ሓዲግ ከይትተርፍ፣ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ብሕይወት ከለዉ ፍታሕ ክግበር ኩሎም ጳጳሳት ብዕቱብ ክሰርሕሉ
5. ግደ እተን ጳጳሳት ዘፍርያ ገዳማት ኤርትራ ዓቢይ ስለ ዝኾነ፥ ሕጊ ቤተክርስቲያን ናብ ንቡር ክምለስን ዝተነብረ ውግዘት ክፍታሕን ተባዕ ስጉምቲ ክወስዳ
6. እቲ ግህሰተ- ሕጊ ዘውረዶ ሃስያ ንጹር ኮይኑ፥ ኣድባራትን ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንን፥ ኣብ ምሕዋይ እዚ ሃስያ ግቡኦም ክፍጽሙ
7. ምእመናን ቤተ ክርስቲያን፥ እዚ ብስም ስላሴ ዝተነብረ ውግዘት ጥሒስካ ዝኽየድ መንገዲ ፍዳኡ ኣብ ሕይወትናን ደቅናን ንሪኦ ስለዘሎና፡ እዚ ወሪዱና ዘሎ መከራ ካባናን ካብ መሬታናን ክርሕቕ፥ እጃምኩም ከተበርክቱ
8. ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣባል ኣድማሳዊ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ስለ ዝኾነት፥ እዚ ውግዘትን ተነጽሎን ተላዒሉ፥ ኣብ ንቡር ንምምላሱ ዝከኣሎ ጻዕሪ ከበርክት
9. ኣብ ስደት ዘሎና ውሉደክህነትን ምእመናን ሓድነትናን እምነትናን ዓቂብና ንግህሰተ ሕጊ ቤተክርስቲያንና ሓቢርና ዓገብ ክንብል ብጸሎት ድማ ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉ እዋን ሕጂ ብምዃኑ፥ ሓላፍነትና ክንፍጽም ንጽውዕ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኣብ መደምደምታ፣ ካብዚ ወጻኢ፥ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ጥሒሱ፥ ብስም ስላሴ ዝተነብረ ውግዘት ረጊጹ፥ “ብህርፋን-ሽመት” ዳግም ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መራሒ ክኸውን ዝህቅን ሰብ እንተሎ፥ ካብ ሕሉፍ ጌጋ ዘይመሃር፥ ሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ዘይዓጦ ረሲዕ’ዩ ብምባል፣ ንኸምዚ ዝበለ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ክበታትን ዝዓለመ ሰብ ወይ ኣካል ድማ ፥ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን፥ ህዝቢ ኤርተራ ይኹን ማሕበረ ሰብ ዓለም ከም ዘይቅበሎ ይሕብር።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ነዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ tewahdo.org ዘውጽአ፣ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ኣብ ጉዳይ ምሻም መበል ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ምስ ዝተፈላለዩ ኣቡናት ይዝቲ ምህላዉ ኣብ ዝሕበረለኡ ዘሎ እዋን’ዩ።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0