ቀጠር ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና በቲኻ

ቀጠር ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና በቲኻ

Radio Erena: 08 January 2016

qatar Iran

ቀጠር ኣሰር ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ብምስዓብ፣ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና በቲኻ።

ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብ ኢራን ድህሪ ዝተፈጥረ ምስሓሓብ፣ ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ምስ ኢራን ዝነበረን ዝምድና ኣብ ዝበትካሉ ዘለዋ እዋን፣ ቀጠር ዝኾነ ስጉምቲ ከይወሰደት’ያ ጸኒሓ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር  ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከኣ ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ኣብ ኢራን ዝርከብ ኣምባሳደሩ ከምዝሰሓበ ኣፍሊጡ። 

ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ዛጊት ምስ ኢራን ዝምድንአን ዝበተኻ ሃገራት ባሕሬን፣ ሱዳን፣ ኩዌት፣ ጅቡቲ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ቀጠር ክኾና እንከለዋ፣ ኤርትራ ከኣ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ከምዝበተኸት እኳ እንተዘየነጸረት፣ ንስዑዲ ብምድጋፍ ግና ንመጥቃዕቲ ኤምባሲ እቲ ንግስነት ኣብ ኢራን ብወግዒ ኮኒና’ያ።

 

ስዑዲ ዓረብ ኩለን’ተን ኣብ እስላማዊ ኪዳን ተጸንቢረን ዘለዋ 35 ሃገራት ምስ ኢራን ዘለወን ዝምድና ክበትካ’ያ ትደፋፍእ ዘላ።

ንኢራን ኣብ ዞባዊ ተነጽሎ ንምእታዋ ምስ ኩለን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተጸሚዳ እትርከብ ስዑዲ ዓረብ፣ ነተን ገና ምስ ኢራን ዘለወን ዝምድና ዘይበተኻ ሃገራት ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ንምምጽአን ዝዓለመ ህጹጽ ኣኼባ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ንሰንበት ክካየድ ምጽዋዓ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነነ ከም ግብጺ፣ ቱርክን ፓኪስታንን ዝኣመሰላ ናይ ቀረባ መሓዙት ስዑዲ ዓረብ ይኹና ሩስያን ዒራቕን እታ ሃገር ምስ ኢራን ዘለዋ ምፍጣጥ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ክትፈትሕ’የን ዘተሓሳስባ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0