መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 200 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ብምጥሓላ 13 ሰባት ሞይቶም

መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 200 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ብምጥሓላ 13 ሰባት ሞይቶም።

እቶም ብንእሽቶ ጃልባ ዝመጹ ስደተኛታት ክሳብ ገማግም ባህሪ እናሓምበሱ ናብ ገምገም መሬት ክጽግዑ እኳ እንተፈተኑ 13 ካብኣቶም ግና ኣብ ከባቢ ሲሲልያ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ብኣሳእል እናሰነያ ኣቕሪበንኦ።

 

ሓይሎ ካብቶም ስደተኛታት ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ብዝነበሩ ቱሪስትን ካልኦትን ብህይወት ድሒኖም ግዝያዊ ሕክምናዊ ረዲኤት ይግበረሎም ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ዝቐረብ ዘሎ ሓበሬታ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 200 ስደተኛታት ዝጸዓነት ንእሽቶ ጃልባ ብሰኑይ 30 መስከረም ድሕሪ ዘጋጠማ ሓደጋ’ዩ እዚ ሞት 13 ስደተኛታት ስዒቡ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ኤንሪኮ ሌታን ከንቲባ እታ እዚ ሓደጋ ዘጋጠማ ከተማ ሲሲልያ ፍራንኮ ሲሲኖን በቲ ፍጻሜ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም።

ድሕሪ ምእላይ ሙዓመር ቐዛፊ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ዳግም ገኒኑ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ክልተዓመት በዚ መንገዲ’ዚ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ዝውሓዙ ዜጋታ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ከምዝበጽሐ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ባሕሪ ብዘጋጠሞሞ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድማ ኣሚኢት ሰባት ህይወቶም ስኢኖም’ዮም።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ፣ ኣብታ ሜዲተራንያን ባሕሪ ብምስንጣቕ ብህይወት ድሒኖም ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝተዓቝቡላ ላምፔዱሳ ብምብጻሕ ምስቶም ስደተኛታት ከምእተራኸቡን ጸሎት ከምዘዕረጉን ኣይርሳዕን።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0