ኤርትራዊ ኣትለት ንጉሰ ኣምለሶም፣ ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን ተዓዊቱ

ኤርትራዊ ኣትለት ንጉሰ ኣምለሶም፣ ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን ተዓዊቱ

Radio Erena: 19 October 2015

ngu

ትማሊ ሰንበት 18 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ፖርቱጋል፣ ከተማ ሊዝበን ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን፣ ኤርትራዊ ኣትለት ንጉሰ ኣምለሶን ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ኣትለት ንጉሰ ኣምለሶም ነቲ ብሮክ ኤን ሮል ሊዝበን ዝፍለጥ ቅድድም ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን ብ1 ሰዓትን 2 ደቓይቕን 38 ካልኢታትን ቀዳማይ ኮይኑ ክፍጽሞ እንከሎ፣ ኢትዮጵያውን ኬንያውን ኣትለታት ከኣ ብቕደም ተኸተል ካልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።

 

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0