ቦትስዋና “ጉዳይ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ብሕጊ ክርአ’ዩ” ትብል፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ብግዴታ ንምምላሶም ይጽዕር

ቦትስዋና “ጉዳይ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ብሕጊ ክርአ’ዩ” ትብል፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ብግዴታ ንምምላሶም ይጽዕር

Radio Erena : 16 October 2015

Ambas

መንግስቲ ቦትስዋና፣ ጉዳይ ናይቶም ዑቕባ ንምሕታት ኣብታ ሃገር ዝተረፉ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ብሕጋዊ መንገዲ ክርአ ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ።

ቦትስዋና ነቶም ኤርትራውያን ከም ስደተኛታት ከምዘይትቅበሎም ሚኒስተር ፍትሒ፣ ምክልኻልን ጸጥታን ኣቐዲሙ እኳ እንተገለጸ፣ ሎሚ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ግና እቲ መንግስቲ ጉዳዮም ብሕጋዊ መንገዲ ክርአ ምዃኑ ጠቒሱ።

ሚኒስተር ምክልኻል፣ ጸጥታን ፍትሕን ቦትስዋና፣ ብዛዕባ’ቲ ንኤርትራን ቦትስዋናን ኣሰሓሒቡ ዝርከብ ጉዳይ 10 ተጻወቲ ብዝምልከት ምስ ሓንቲ ሬድዮ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ከም ስደተኛታት ከምዘይቕበልዎም ገሊጹ ምንባሩ ነቲ ኩነታት ብቀረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

 

እቶም ተጻወቲ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ቦትስዋና ስለዝኣተወ ዑቕባ ክሓቱ መሰል የብሎም’ዩ ክብል ጸኒሑ መንግስቲ ቦትስዋና።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦን ሕቶ እቶም ተጻወቲ ክስማዕን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ይሓቱ ኣለዉ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ቆይሙ ዘሎ ጠበቓ ናይቶም ኤርትራውያን፣ ጉዳዮም ብቀረበ ክሰምዕን ብኣካል ምስኣቶም ክዘራረብን ፍቓድ ክወሃቦ ኣብ ከተማ ጋብሮን ናብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ጥርዓን የቕርብ ምህላዉ’ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ ሳልሕ ዑመር፣ ናብቲ እቶም 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ተታሒዞሙሉ ዘለዉ ኣብ ፍራንሲስታውን ዝርከብ መደበር ፖሊስ ‘ኩትሉዋኖ’ ብኣካል ከምዝበጽሐ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ናብ ዓዶም ንኽምለሱ ሓያል ጻዕሪ ኣብ ንምክያድ ይርከብ።

እቶም ኤርትራውያን፣ ካብቲ ኣብ ‘ታቲ ሪቨር’ ዝርከብ መዕረፊ ኣጋይሽ ድሕሪ ምህዳሞም፣ ናብ ፖሊስ ኣብ ዝቀረብሉ እዋን ናብ ዓዶም ክምለሱ ድሌት ከምዘይብሎም ብምግላጽ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክወሃቦምን’ዮም ዝሓቱ ዘለዉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ጉዳዮም ብሕጋዊ መንገዲ ክስማዕ ምዃኑን ብግዴታ ድማ ናብ ዓዶም ከምዘይምለሱን ካብታ ቦትስዋና ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ ይጠቕስ።

ይኹን’ምበር ምሉእ ውሕስነት ክሳብ ዝረኽቡ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝምልከት ጥርዓናት ናብ ኤምባሲታት ቦትስዋና ከቕርቡ ለበዋታት ይሓልፍ ኣሎ።

=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0