ብሪጣንያ፣ ሰራዊታ ናብ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን  ክትልእኽ’ያ

ብሪጣንያ፣ ሰራዊታ ናብ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: 29 September 2015

UK tro

ብሪጣንያ እትልእኮ ሰራዊት ምስቲ ድሮ ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትሕግጋዝ ምዃኑ’ያ ትገልጽ።

ኣውራ ዕላማ እቲ ናብ ሶማል ዝዋፈር ሰራዊት ብሪጣንያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ሶማል ንምቁጽጻር እኳ እንተኾነ፣ ንእግረ መንገዱ’ውን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ሽበራ ክሳተፍ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ዴቪድ ካሜሮን ብዛዕባ’ዚ ብዝምልክተ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ክዘራረብ’ዩ።

 

ብሪጣንያ ናብ ሶማል እትልእኮ ሰራዊት 70 ጥራይ ምዃኑ ዝገልጻ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ድማ፣ እቲ ሰራዊት ኣብ ስልጠና ወትሃደራዊ ስለያን ከምዝተሓጋገዝ የመልክታ።

ኣብ ሶማል ልዕሊ 10 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኬንያን ተዋፊሮም እኳ እንተለዉ፣ ኣመሪካ’ውን በብእዋኑ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ፍሉያት ሓይልታትን ክትልእኽ ጸኒሓ’ያ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ብሪጣንያ ሰራዊታ ናብ ሶማል ንምልኣኽ መደብ ከምዘለዋ ብወግዒ ኣፍሊጣ ኣላ።

ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ካብ ሃገራት ምዕራብ ዝተላእከ ሰራዊት ኣብ ሶማል ከይተዋፈረ’ዩ ጸኒሑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብሪጣንያ ብዘይካ’ቲ ኣብ ሶማል እትልኮም ወትሃደራታ ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን’ውን ልዕሊ 300 ሰራዊት ከተዋፍር ምዃና ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝልኣኽ ሰራዊት ብሪጣንያ ኣብ ስልጠና ወትሃደራት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ክዋፈር ምዃኑ ይሕበር።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0