ሚኒስተር ፍትሒ ስዊዘርላንድ፣ “ሓደ’ውን ይኹን ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ኣይንመልስን ኢና” ኢላ

ሚኒስተር ፍትሒ ስዊዘርላንድ፣ “ሓደ’ውን ይኹን ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ኣይንመልስን ኢና” ኢላ

Radio Erena: 18 August 2015

Sim

ሚኒስተር ፍትሒ ስዊዘርላንድ፣ ሓደ’ውን ይኹን ኤርትራዊ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ከምዘይምለስ ደጊማ ኣረጋጊጻ።

ሚኒስተር ፍትሒ ሲሞነታ ሶማሩጋ ነዚ ዘረጋገጸት፣ ኣባል ዓቃባዊ ሰልፊ ዝኾነን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ሉሰርን ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዘለዎ መረረ ንምግላጽ ናብታ ሚኒስተር ወግዓዊ ደብዳቤ ድሕሪ ምልኣኹ’ያ።

እታ ሚኒስተር ነቲ ኣንጻር ስደተኛታት መርገጺ ሒዙ ዘሎ ፖለቲካኛ ኣብ ዝሃበቶ ግብረ መልሲ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ስዊዘርላንድ ጥራይ ዘይኮነት መላእ ኤውሮጳን ዓለምን ዝፈልጦ ሓቂ ስለዝኾነ፣ ሓደ ሰብ’ውን ይኹን ናብ ኤርትራ ከምዘምለስ ኣፍሊጣ።

 

እቲ፣ ጊዶ ግራፍ ብዝተባህለ ፖለቲከኛን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳይ ካንቶና ሉሰርን ዝቀረበ ናይ መረረ ደብዳቤ ሓቅነት ዘይብሉ’ዩ ክትብል ነጺጋቶ።

ኣብታ ሃገር ኣብ 2014 ኣሳትት 6640 ኤርትራዊን ዑቕባ ክወሃቦም እንከሎ፣ ስዊዘርላንድ ንኤርትራውያን ዑቕባ ብምሃብ ድሕሪ ጀርመንን ሽወደንን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ።

ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ን13,200 ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ክትህብ እንከላ ሽወደን ከኣ ን11,500 ኤርትራውያን ዑቕባ ምሃባ ጸብጻባት የመልክቱ።

=====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0