ኣብዘን ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሖም

ኣብዘን ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሖም

Radio Erena : 30 July 2015

UAE emab

ምክትል ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣልኣሚን ናፍዕ ብ26 ሓምለ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝራሕረሐ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ኣናዶሉ ሓቢሩ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ሓርነትን ደሞክራስያዊት ሃገራን ንምውናን ዘካየዶ ናይ 10 ዓመታት ቃልሲ፣ ብሓደ ሰብ – ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተገበተ’ውን ኣቶ ኣልኣሚን ናፍዕ ጠቒሱ።

ብዘይካ’ዊ’ውን ማሕበራውን ቁጠባውን መናጽፍ ኤርትራ ተባሕጕጉ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣብዚ 24 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸምን እዚ ድማ ብሕቡራት ሃገራት ከምዝተረጋገጸን ኣረዲኡ።

 

ብሰንኪ’ዚ ድማ ድማ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገለሉ መንግስቲ ክርሕርሖ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ናፍዕ ካብ 1992 ኣትሒዙ ኣብ ኤምባሲታት ግብጺ፣ ሊባኖስን ካልኦት ሃገራትን ብደረጃ ቀዳማይ ጸሓፊ ከገልግል ዝጸንሐ’ዩ።

መብዛሕተን ኤምባሲታት መንግስቲ ኤርትር ክልተ ኣባላት ጥራይ ዝሓቆፋ ኣብ ርእሲ ምዃነን፣ ኣብ ገሊኡ ኤምባሲታት ድማ ኣባላተን ከይሃድሙ ስለዝስጋእ ፖስፖርታቶም ብኣምባሳደራት ከምዝተሓዝ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ነበረ የረጋግጹ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ኩዌትን ዝነበሩ ክልተ ዲፕሎማሰኛታት ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝራሕርሑ ይዝከር።

======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0