መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከባቢታት ኣርባዕተ ኣስመራን ቤተገርግሽን ሓያሎ ኣባይቲ ኣፍሪሱ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከባቢታት ኣርባዕተ ኣስመራን ቤተገርግሽን ሓያሎ ኣባይቲ ኣፍሪሱ

Radio Erena: 07 July 2015

4 Asmara

መንግስቲ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘካይዶ ዘሎ ኣባይቲ ናይ ምዕናው መስርሕ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራን ከባቢ ቤተ ገርግሽን ዝርከብ ሓያሎ ኣባይቲ ብዶዘራት ኣፍሪሱ።

እቲ ኣርባዕተ ኣስመራን ከባቢ ቤተ ገርግሽን ብዓርቢ 3 ሓምለ ዝፈረሰ ልዕሊ 50 ኣባይቲ፣ ነበርቱ ናይ ተቓውሞ ናዕብን ዕግርግርን ከየካይዱ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፖሊስ ተዋፊሮም ምንባሮም’ውን ተፈሊጡ።

ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ ኣቐዲሙ’ውን ሓያሎ ኣባይትክምሰ ይዝከር።

 

ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ ዓድታት ወኪ ድባን ሕምብርትን ዝርከብ ኣባይቲ ንምፍራስ ምድላዋት የካይድ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የረጋግጹ።

ብሰንኪ’ዚ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዞባ ማእከልን ደቡብ ዝተኻየደ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ ኣማኢት ስድራቤታት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም፣ ምስ መቕርብ ቤተዘመድን ተዓቝቦም ይርከቡ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0