Radio Erena: 24 June 2015
ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ጄኔቫ ድሕሪ ዘካየድ ተቓውሞ፣ ንኣባላት መርማሪት ኮሚሽን ከምዘፈራርሑ ተገሊጹ።
እቶም ደገፍቲ መንግስቲ፣ ብፍላይ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጻሪ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ፍልይቲ ልእኽትን ኣባል መርማሪት ኮሚሽን ዝኾነትን ሸይላ ኪታሩት ክሳብ ዓሪፋትሉ ናብ ዝነበረት ሆቴል ብምኻድ ከምዘፈራርሑዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰሉስ 23 ሰነ ኣብ ዘካየዶ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝዝቲ ዋዕላ’ውን፣ ኣቦ መንበር መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ዘቕረቦ ናይ መኽፈቲ ቃል፣ ንኣባላት እታ ኮሚሽን ምፍርራሕ ከምዝበጽሖም ብምርግጋጽ፣ ብዛዕባ’ዚ’ውን ተወሳኺ ምጽራይ ክካየድ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ብሰንኩ ድማ፣ ድሕነት ኣባላት መርማሪት ኮሚሽን ንምሕላው፣ ተወሰኽቲ ኣባላት ፖሊስ ምውፋር ከምዘድለየ ተሓቢሩ።
ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ብሰኑይ 22 ሰነ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ሰልፊ ምክያዶም ይፍለጥ።
በንጻር እዚ ድማ፣ ንዓርቢ 26 ሰነ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ነቲ በታ መርማሪት ዝቐረበ ጸብጻብ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰልፊ ወዲቦም ኣለዉ።
ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከተጻሪ ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን፣ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት መጽናዕቲ ኣብ ዘቕረበቶ ኣስታት 500 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ድማ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተሓተቲ ምዃኖም ኣስሚራትሉ’ያ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ንኣባላት እቲ ኮሚሽን፣ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብምዕዳም፣ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ዘተን ክትዕን ድሕሪ ምክያዱ፣ እንታይ ውሳኔ ክህበሉ፣ ክልቲኦም ደምበታት ኤርትራውያን ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዘለዉ’ዩ።
====================================
COMMENTS