ኣልሸባብ፣ ኣምባሳደር ዝርከቦም ዲፕሎማሰኛታት ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣጥቂዑ

ኣልሸባብ፣ ኣምባሳደር ዝርከቦም ዲፕሎማሰኛታት ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣጥቂዑ

Radio Erena: 25 June 2015

AlsheUAE

ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ኣምባሳደር ንዝርከቦም ዲፕሎማሰኛታት ዝጸዓነ ቃልፍላይ ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ብምክያዱ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብቲ ብሮቡዕ 24 ሰነ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ሞቛድሾ፣ ጥቃ ኤምባሲ ቱርኪ ዝተፈጸመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ሰባት’ውን ቆሲሎም ከምዘለዉ መኮነን ፖሊስ እታ ከተማ ዓብዱልቓድር ሓሰን ገሊጹ።

መንነት ናይቶም ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣምባሳደር ሕቡራት ኢማራት መሃመድ ኣል ዑስማን ግና ንስክላ ከምዝደሓነ ተሓቢሩ።

 

ኣልሸባብ፣ ኣብ ሶማል ንዝርከቡ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዒላማ ክገብር እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብ ልዕሊ ዓረባዊ ሃገራት ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ከካይድ ግና ናይ መጀመርያ’ዩ።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ንኣባላት ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዒላማ ዝገበረሉ ምኽንያት’ውን ኣይሓበረን።

ኣልሸባብ፣ ቅድሚ ሳልስቲ’ውን ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ስለያ እታ ሃገር ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣካይዱ’ዩ።

ኣብ ሶማል ምንቕስቓሳቱ ዳግም አሐይሉ ዝርከብ ኣልሸባብ ምስ ኣልቓዒዳ ከምዝሓበረ ብወግዒ ከምዝገለጸ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣሰር ዳዒሽ እናሰዓበ ይመጽእ ምህላዉ ተንተንቲ ፖለቲካ ሶማል የመልክቱ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0