ቐጠር፣2.5 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣጽዋር ካብ ጀርመን ዓዲጋ

 ንግስነት ቐጠር፣2.5 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣጽዋር ካብ ጀርመን ከምዝዓደገ ደቾቬለ ሓቢሩ።

    ቐጠር እቲ ካብ ጀርመን ዝዓደገቶ ኣጽዋር 62 ዘመናውያን ታንክታትን 24 ተመራሒ ሚሳይላትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ እታ ሃገር ነቲ ኣጽዋR ዝሸመተትሉ ዕላማ ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታት ጀርመን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

    ሓያሎ ካብቶም ፖለቲከኛታት፣ ቐጠር ነተን ዘመናውያን ታንክታትን ተመራሒ ሚሳይላትን ዝሸመተትሉ ምኽንያት ምስቲ ካብ ኢራን ክመጻ ዝኽእል ተጻብኦታት ወትሃደራዊ ሓይላ ንምድልዳል ምዃኑ ክገልጹ እንከለዉ ካልኦት ድማ፣ እታ ፕረዚደንታት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከብዎም ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ቐጠር፣ እቲ እትሽምቶ ዘላ ኣጽዋር ናብኣቶም ከይተሰጋግሮ ስግኣት ከምዘለዎም ይጠቕሱ።

    እገዳ ሸመተ ኣጽዋር ተነቢርሎም ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራን ሱዳንን፣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣጽዋር ንምጉራት ጻዕርታት ከምዘያካይዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

    ዝዓበየ መደብ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ አአንጊዳ ዘላ ቐጠር፣ ካብ ኢራን ዝኾነ ተጻብኦ እንተገጢሙዋ፣ ኣመሪካ ከምእተከላኸለላ ዝሓበሩ ካልኦት ወገናት’ውን፣ እዚ 2.5 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ቐጠር ሸሚታቶ ዘላ ኣጽዋር፣ ሊባኖስ ንእትርከበን ሓያሎ መሓዙት ሃገራት ከምእትዕድሎ ዘየማትእ’ዩ ክብሉ ትንታነታቶም ይህቡ ኣለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0