ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ከቢድ ጸገም የኸትል

ዋጋታት ናህሪ ክራይ ኣባይቲ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ሰማይ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ሕጂ’ውን ነቲ ንስድራቤታት ሓደ ካብቲ ዝኸበደ ጾር ኮይንወን ዘሎ ቅልውላው ንምፍትሑ ዝኾነ ተበግሶ ንምውሳድ ቅሩብ ከምዘይኮነ ተገሊጹ።

    ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፣ ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ወስኹ ወይ ድማ ኣብ ጎደና ክንድርብየኩም ኢና እናተባህለ ብኣካረይቲ ገዛ ዝቐረብ ዘሎ ጸቕጢ ሓደ ካብቲ ንህዝቢ ማሕበራዊ ውሕስነት ከሊእዎ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው እኳ እንተኾነ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ’የ ዝሰርሕ ዝብል መንግስቲ ኤርትራ ግና ነቲ ጉዳይ ጸማም እዝኒ ሂቡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ተጓዒዙ ይርከብ።

    ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ መሬትን መንበሪ ኣባይትን ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው፣ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዘሎ ሃዋሁ ዳግም ዝተወልደ ዘመናዊ ናይ መሬት ጎይቶት ወይ ብርዥዋን ጭቑን ህዝቢን ኩነታት ከምዝመሳሰል ዝጠቐሱ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹልና ወገናት፣ እዚ ተርእዮ’ዚ ብመስዋእቲ ደቁ ዘረጋገጻን ገና’ውን ብደሙን ረሃጹን ዝተረፉ ደቁ ዝሕልዋን ዝዓያን ዘሎ ህዝቢ ዝነብረላ ኤርትራ ከጋጥም ዘይግብኦ’ዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

    ብሰንኪ እዚ ህዝቢ ኣዳኺሙ ዘሎ ፋሉል ፖሊሲ ክራይ ኣባይቲ፣ ስድራቤታት ስዉኣት ዝርከብዎም ኣዝዮም ብዙሓት ነበርቲ ከተማታት ዝኾኑ ስድራቤታት ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወዲቖም ከምዘለዉ’ውን እቲ ብሰነድ ዝተሰነየ መልእኽቲ የረጋግጽ።

    ዋጋ ክራይ መንበሪ ገዛ ካብቲ ቅድሚ 10 ዓመት ዝነበረሉ ብኣስታት 10 ዕጽፊ ዛይዱ ክነሱ፣ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ይኹን ናይ ጁባ ክፍሊት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ግና ኣብቲ ዘለዎ’ዩ ዘሎ።

    ኣብ ኤርትራ ብማእከላይ ገምጋም ወርሓዊ እቶት ሓደ ሰራሕተኛ 650 ናቕፋ ክኸውን እንከሎ፣ ወርሓዊ ክራይ ንሓንቲ 16 ትርቢዒት ሜትሮ ገዛ ድማ ክሳብ 1000 ናቕፋ ይበጽሕ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0