መንገዲታት ኣየር ኤርትራን ሱዳንን

    መንገዲ ኣየር ኤርትራ ምስ መንገዲ ኣየር ሱዳን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕ ከምዝኸተሙ ተገሊጹ።

    ኣፍሪካን ኣቭየሽን ትሪቡን ዝተባሀለ ማዕከን ዜና ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ በዚ ክልቲኦም ወገናት ከቲሞሞ ዘለዉ ስምምዕ፣ መንገዲ ኣየር ሱዳን ኣብዚ እዋን’ዚ በረራታቱ ይድስክል ብምህላዉ፣ እቲ ኣቐዲሙ ሒዝዎ ዝጸንሐ መስመራት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብስም መንገዲ ኣየር ሱዳን ክቕጽሎ ዝፈቕድ’ዩ።

    ብእገዳ ዝተዳኸመ መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ነተን ኤርባይስ ዝዓየንተን ነፈርቱ ብምጽጋን ናብ ስራሕ ከየውዕለን መቐያየሪ ኣቝሑ ክሽምት ስለዘይክኣለ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፣ ብሰንኩ ድማ ነቲ ናብ ጁባ፣ ሻርጃ፣ ዱባይን ኣቡዳቢን ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት መገዲ ኣየር ኤርትራ ክትክኦ ዝተሰማምዐ።

    ብተመሳሳሊ ምኽንያታት ዝሳቐ ዘሎ መንገዲ ኣየር ኤርትራ’ውን፣ ኣብ በረራ ዝጸንሐት ዓባይ ነፋሪት ብሰንኪ ጽገና ካብ ስራሕ ደው ድሕሪ ምባላ፣ ብኽራይ ብዝመጸት ነፋሪትን ምስ ብሃብታም ግብጻዊ ከምእትውነን ዝንገረላ ናስ ኣየርን ብምትሕህባር’ውን ናብ ካርቱም፣ ጁባ፣ ኬንያን ኢማራ ዓረብን በረራታቱ ክቕጽል ጸኒሑ።

    መንገዲ ኣየር ሱዳን ብሰንኪ ጉድለት ውሕስነት ንገያሾ፣ ኤርትራ እትርከበን ናብ ውሱናት ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን እንተዘይኮይኑ፣ ናብ ካልእ ክፍሊ ዓለም በረራታት ከየካይድ ካብ ዝእገድ ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።

    ገና ኣብ ሰንከልከል ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ጀርመን ፍራንክፈርት በረራ ጀሚሩ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ጉድለት ውሕስነት፣ በረራታቱ ክስርዝ ከምእተገብረ’ዩ ዝግለጽ።

    ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ’ውን መንገዲ ኣየር ኤርትራ ምስተን ናብ ኤውሮጳ በረራታት ከየካይዳ ዝተኣገዳ መንገድታት ኣየር ከምእተጸንበረ’ዩ ዝሕበር።
እንተኾነ እቲ ሓንቲ ነፋሪት ጥራይ ዝውንን መንገዲ ኣየር ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ናብ ኢጣልያ በረራ የካይድ ምህላዉ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0