RADIO ERENA – Monday 23 June 2025
ኤርትራውያን ኣውፈርቲ፣ ኣብ ቁጠባ ኡጋንዳ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ኣዝዩ ዝምስገን ምዃኑ፣ ሓላፊት ድሕነት ወፍሪ እታ ሃገር ኮለነል ኤዲት ናካሌማ ሓቢራ።
እታ ኡጋንዳዊት በዓልቲ ስልጣን፣ ኣብታ ሃገር ምስ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ፣ ብ18 ሰነ ኣብ ዘካየደቶ ርክብ፣ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ብዝሃበና ትእዛዝ መሰረት፣ ኣብ ቁጠባ ኡጋንዳ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ናይ ወጻኢ ዜጋታት፣ ጉዳያቶም ብዘይዕንቅፋት ክሳለጥን ኣብ ዘይተደልዩ ሰባት ከይወድቁን ኢና ንጽዕር ኢላ።
ሰላም ድሕነትን ንወፍሪ ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ ዘዘኻኸረት እታ በዓልቲ ስልጣን፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ኵናት ዘይምህላዉ፣ ብሕጂ‘ውን ውሕስነት እታ ሃገር ዝተሓለወ ምስ ምዃኑ፣ ንኣውፈርቲ ተተባበዕ ኮይና ከምእትቕጽል ጠቒሳ።
ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ዘካይድዎ ዘለዉ ወፍሪ እናዓበየን እናሰፍሐን ምምጽኡ ከምዘሐጉሳ‘ውን ደጊማ ገሊጻ።
ንኤርትራውያን ኣውፈርቲ ወኪሉ ቃል ዘስምዐ እዝራ ገብረንጉስ ብወገኑ፣ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ናብ ኡጋንዳ ክመጽኡ ከነተባብዖም ኢና ከምዝበለ፣ ጸብጻብ ጋዜጣ ኒው ቪዥን ሓቢሩ።
ተስፋኣለም ገራህቱ ዝተባህለ ካልእ ኤርትራዊ ኣውፋሪ ድማ፣ ‘ኡጋንዳ ሃገርና‘ያ‘ ክንብል ንኽእል ኢና ክብል፣ ኣብታ ሃገር ንዝተፈጥረሎም ናይ ወፍሪ ዕድላት ኣመስጊኑ።
እታ ሃገር፣ ነዚ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ዘለዋ ሰላምን ጸጥታን ንወፍሪ ከምዘተባብዕ ብምጥቃስ፣ ካብ ኡጋንዳ ናብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝልኣኽ ሃለኽቲ ነገራትን ኣቑሑን እቲ 70% ብኤርትራውያን ኣውፈርቲ ከምዝካየድ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኡጋንዳ ገዚፍ ኣበርክቶ ይገብሩ ምህላዎም ዝሓበረ ተስፍኣለም፣ ኣበርክቶኦምን ካብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳን ሓሊፉ፣ ክሳብ ርዋንዳ፣ ብሩንዲን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ከምዝዝርጋሕ ኣመልኪቱ።
ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲን ነጋዶን ዘንቀሳቕስዎ ከምኡ ድማ ብመልክዕ ሓዋላ፣ መርዓን ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያትን ካብ ኤርትራውያን ናብታ ሃገር ዝውሕዝ ናይ ውጻኢ ባጤራ፣ ዓመታዊ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ኣብ ቁጠባ ኡጋንዳ ከምዘበርክት ናይል ፖስት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምጥቃሳ ይዝከር።
ኣብ ኤርትራ ናይ ወፍሪን ንግድን ዕድላት ዝሰኣኑ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ኡጋንዳ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘካይድዎ ዘለዉ ንጥፈታት ኣብ ቁጠባ እተን ሃገራት ርኡይ ኣበርክቶ ከምዘለዎም በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ‘ዩ።
ስእሊ፣– ካብ መርበብ ዜና ኒው ቪዥን
===================
COMMENTS