ኣልጀዚራ ንህዝባዊ ናዕብታት እትህቦ ዝነበረት ቆላሕታ ክትቕይስ ብኣሚር ቀጠር ሸሕ ሓማድ ከሊፋ ኣልታኒ መምርሒ ከምእተዋህባ፣ ንኣባላት እቲ ማዕከን ዜና ንዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ሪፖርተራትን ብምጥቃስ ፕረስ ቲቪ ሓቢሩ።
ኣልጀዚራ፣ ህዝባዊ ናዕብታት ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝተወልዓሉ፣ ለውጢ ዘተባብዕ፣ ጽዑቕ ፈነወታትን ሙሉእ ሸፈነ እቲ ናዕብታትን ተቃልሕ ከምዝነበረት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ግና ትሕዝቶታታ ክትቕይስ መምርሒ ከምእተዋሃባ፣ ሓደ ካብ ኣባላት እታ መደበር ቴሌቪዥን ዝነበረ ኣኽታም ሱሌማን ዝተባህለ ኣረጋጊጹ።
እታ ልዑል ተቐባልነት ዘለዋ ኣልጀዚራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኣብ ፍጻሜታት ህዝባዊ ናዕቢ ንላዕሊ፣ ዲፕሎማስያዊ ዝምድንታት ንግስነት ቐጠር ክቕድም ከምዘለዎ ትሰርሓሉ ምህላዋ ዝሓበረ ፕረስ ቲቪ፣ ምስ ኣሚር ቐጠር ሸሕ ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎም መራሕቲ ዋላ’ውን ኣንጻሮም ህዝባዊ ናዕብታት እንተተወሊዑ ምሉእ ሸፈነ ከይወሃቦ ተኸልኪሉ ምህላዉ የመልክት።
ነቲ ኣብ 21 ጥሪ ኣብ ኣስመራ-ፎርቶ ዝተኻየደ ስርሒት ብምድጋፍ ኣብ ለንደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ንኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዝወረርሉ፣ ኣልጀዚራ ነቲ ፍጻሜ ድሕሪ ምምሕልላፋ፣ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ዝኣክል ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ተቛሪጹ ምንባሩ’ዩ ዝግለጽ።
ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ’ውን ኣሚር ቐጠር ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ኣይርሳዕን።
ኣሚር ቐጠር ኣብ ኣልጀዚራ ቀጥታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ጉዳይ ህዝባዊ ናዕብታት ባሕሬን ንምዕባጥ ብግብሪ ከምእተራእየ ኣብ ኣልጀዚራ ኣሰናዳኢ መደብ ዝነበረ ሙሳ ኣሕመድ ገሊጹ።
ኣብ ጉዳይ ሶርያ’ውን ኣልጀዚራ ብተመሳሳሊ ጉዳይ ይሕመ’ዩ ዝበሉ ኣባላት እቲ ማዕከን ዜና፣ ብሰንኩ’ውን ነቲ ማዕከን ዜና ክገድፍዎ ከምዝወሰኑ ኣረዲኦም።
ብንግስነት ቐጠር ተመዊሉ ኣብ 1996 ዝፈለመ ኣልጀዚራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ካብ ዓበይትን ጸለውትን ማዕከናት ዜና ዓለምና’ዩ።
COMMENTS