ደሃይ ወላዲኤን ክሓታ ንዝመጻ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ ኤምባሲ ኤርትራ ፖሊስ ጸዊዑለን

ትሕቲ ዕድመ ደቁ ነቲ ብሰኣላይ ተጋዳላይ ዝፍለጥ ህቡብ ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ፣ ኣቤ ስዮምን ቤሉላ ስዮምን ብዛዕባ ደሃይ እቲ ን12 ዓመታት ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ዝርከብ ኣብአን ንምሕታት ብሮቡዕ 13 ጥሪ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ኣቶ ፋሲል ገብረስላሴ፣ ኣብ ዝተወከሳሉ፣ እቲ ኣምባሳደር፣ ሕቶአን ዝሓዘ ደብዳቤ ድሕሪ ምንባብ ናብ ፖሊስ ብምድዋል ብፖሊስ ክወጻ ከምዝገበረ ነቲ ፍጻሜ ብኣካል ዝተዓዘበ ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

    እተን ደቂ 14ን 11ን ዓመት ቆልዑ፣ ብዛዕባ’ቲ ን12ዓመታት ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ኣቦአን ደሃዩ ንምፍላጥ ዘቕርብኦ ሕቶ ዝሓዘ ናይ ክልቲኤን ኣሕዋት ፊርማ ዘለዎ ደብዳቤ ብምሓዝ ናብ ኤምባሲ ብምኻድ ሕጋዊ መሰለን ተጠቒመን ሕጋዊ ሕቶ እኳ እንተቕረባ፣ እቲ ብተኸታታሊ ተቓውሞ ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኤርራውያን ነበርቲ ፈረንሳ ተዳሂሉ ዘሎ ኣምባሳደር ፋሲል ብኡ ንብኡ፣ እቲ ኤምባሲ ብወረበላታት ማለት ሆሊጋንስ ከምእተወረ ናብ ፖሊስ ብምሕባር፣ ፍሉያት ሓይልታት ፖሊስ ፈረንሳ ክልኣኽሉ’ዩ ሓቲቱ።

    ፍሉያት ሓይልታት ፖሊስ ፈረንሳ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዝመጽሉ ግና፣ እቲ ኣምባሳደር ዝሃቦም ሓበሬታ ሆሊጋንስ ዘይኮነ፣ ንመሰልን መሰል ኣቡአንን ዝሓታት ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረናን ጥራዮም ጸኒሖሞም።

    ፖሊስ ፈረንሳ፣ ነተን ቆልዑ እንታዩ ጸገምክን ክብሉ ኣብ ዝተወከሱወን ድማ፣ ን12 ዓመታት ብዘይፍርድን ሕጋዊ መስርሕን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ኣቦና ደሃዩ ንምሕታት ናብ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ መልእኽቲ ከመሓላልፈልና ጥራይ ኢና ሓቲትና ክብላ ኣብ ዝመለሳሉ፣ ፖሊስ በቲ እተን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዘቕረብኦ ሕጋዊ ናይ መሰል ሕቶን ኣምባሳደር መንግስቲ ዝሃቦ ምላሽን ከምዝደንጸዎም ካብ ቃላቶም ክረጋገጽ ክኢሉ።

    ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ኣቶ ፍሲል ገብረስላሴን ኣባላት እቲ ኤምባሲን፣ እቲ እተን ቆልዑ ሒዘንኡ ዝመጻ ደብዳቤ ድሕሪ ምንባቦም ንፍርቂ ሰዓት ዝኣከል ሸበድበድ ክብሉ’ዮም ተራእዮም።

    ፖሊስ ድሕሪ ምምጽኦም’ውን ቁጥዐኡ ዘይዘሓለ ኣምባሳደር ፋሲል ገብረስላሴ፣ ኣቤ ስዮም ሒዛቶ ዝነበረት ንታሪኽ ኣቡኣ ሰኣላይ ተጋዳላይ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ ዝገልጽን ስእልታቱን ዝሓዘ ካልእ ደብዳቤ ኣብ ቅድሚ ፖሊስ ኣብ ዝሃበትሉ’ውን ነቲ ደብዳቤ ብዑጥዐ ናብ ግዳም ክድርብዮ ተራእዩ።

    ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ዝኣክል፣ ምስተን መሰለን ዝሓተታ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ምትፍናን ክኣቱን ፖሊስ ምጽዎኡን ዝደንጸዎም ናብቲ ቦታ ዝመጹ ኣባላት ፖሊስ፣ ነትን ቆልዑ እቲ ዘቕረብኦ ሕቶ ብሕጋዊ ደብዳቤ መልክዕ ብናይ ሓደራ ፖስታ ናብቲ ኤምባሲ ክልእክኦ’ውን ምዒዶም።

    ጓል 14 ዓመት ኣቤ ስዩም ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ፣ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ኣብቲ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ተንተልጢሉ ዝርከብ ‘ኣይነዘኽትሞ’ ዝብል ናይ ሓደ ቆልዓ ስእሊ፣ ንፕሮፖጋንዳን መሸቐጥን’ዩ ድሕሪ ምባላ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዘኽታማት ዝሓለ ዘይኮነ ባዕሉ’ዩ ዘዘኽትመና ዘሎ ክትብል ነቒፋ።

    ጓል 11 ዓመት ቤሉላ ስዮም ድማ፣ ኣቡኣ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ ኣብ ማህጸን ኣዲኣ ከምዝነበረት ብምጥቃስ፣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ምስ መጸ ምስቲ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣቡኣ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ ዓይኒ ንዓይኒ ክትራኸብ ዘለዋ ሃንቀውታ ትገልጽ።

    ስዮም ጸሃየ ዝርከቦም 15 ዝኮኑ ጋዜኛታትን ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣትዉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ከምዘይርኣዩን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን መላእ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝፈልጦ ጉዳዩ’ዩ።

    ስዮም ጸሃየ ኣብ 2007 ሪፖርተር ናይ ዓለምና ተባሂሉ ብጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ዝተሸለመ ናይ መጀመርያ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ስዮም ጸሃየ ብCNN ካልኦት ናይ ሜድያ ትካላትን ዝተዳለወ  ዝተፈላለየ ሽልማት ዝተዋህቦ ምኩር ጋዜጠኛ ምዃኑ ሰነዳቱ የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0