መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ዝተኣስሩ ደገፍቱ ብዋሕስ ንምውጻእ ልዕሊ 22 ሽሕ ዶላር ከፊሉ

RADIO ERENA – Monday, 18 November 2024

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ደገፍቱን ብስም ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱዝተጠርነፉ ደለይቲ ለውጢን፣ ብተደጋጋሚ ዝተወልዐ ናዕቢን ጎነጽን ንዝተኣስሩ ሓያሎ ደገፍቱ ብዋሕስ ንምውጻእ፣ ልዕሊ 22 ሽሕ ዶላር ከምዝኸፈለ፣ ዋይ ኔት ዝተባህለ መርበብ ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ መርበብ፣ ቅብሊት ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብመንገዲ ኤምባሲኡ ንዋሕስ ዝኸፈሎ 84 ሽሕ ሽክል እስራኤል (ልዕሊ 22 ሽሕ ዶላር) ብኣከል ብምዕዛብ ከምዘረጋገጾዩ ጠቒሱ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብቲ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ዝተቐትልሉን ልዕሊ 130 ድማ ዝቖሰሉሉን፣ ካብ መጀመርያ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ዝተራእየ ግጭት ክልትኦም ወገን ኤርትራውያን ሓያሎ ሰባት ኣሲሩዩ። ንገሊኦም በብእዋኑ ክፈትሖም እንከሎ፣ ነቶም ከቢድ ጉድኣት ዘውረዱ ግና ክሳብ እዚ እዋንዚ ቀይድዎም ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ክፍትሑ ገንዘብ ዝኸፈለሎም ደገፍቱ ብዝሖም ክንደይ ከምዝኾነ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።

እንተኾነ፣ ብዋሕስ ክፍትሑ ንዝቐረበ እማመ ብዳኛ ተቐባልነት ከምዘይነበሮን፣ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ዓዶም ክስጎጉ ዝብል ምጉት ይዕብልል ከምዘሎን እቲ መርበብ ዜና፣ ብ14 ሕዳር ኣብ ዘቕረቦ ዓንቀጽ ኣስፊሩ ኣሎ።

ድሒሩውን ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ወገናት ኤርትራውያን፣ ብጉጅለን በብውልቂን ብዝተፈጸመ ባእስን ጎነጽን፣ ሓያሎ ህይወቶም ስኢኖምን ሰንኪሎምንዮም።

ኣብታ ሃገር ንዝነበሩ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን፣ መስርሕ ዑቕባ ከይሳለጥን ምዕዳል ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ድማ ከይህሉን፣ ንዓመታት ክእግዶም ዝጸንሐ መንግስቲ እስራኤል፣ ወይ ናብ ዓዶም ወይ ድማ ናብ ካልእ ሃገር ንምምላሶም ዩ ዝሕልን።

ብፍላይ ኣብዚ ተደጋጋሚ እዋን ዝተራእየ ጎነጽ ተሳቲፎም፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ብምብጻሕ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክምለስሉ ዝኽእሉ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ብቀጻሊ ከምዝዘራረብ ይጥቀስ።

ለውጢ ዝደልዩን ኣንጻር እቲ ን33 ዓመታት ብምልኪ ከምዝመርሕ ዝግለጽ መንግስቲ ኤርትራ ዝቃለሱን ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ምምላሶም፣ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ዝኹነን እማመዩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0