ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ ፍቓድ ዘይረኸበት ነፋሪት ድሕሪ ናይ 10 ሰዓታት በረራ ናብ ዝተበገሰትሉ ተመሊሳ

RADIO ERENA – Tuesday, 05 November 2024

ካብ ኦስትርያ፣ ከተማ ቭየና ናብ ሞሪሽየስ፣ ከተማ ፖርት ልዊስ ትጓዓዝ ዝነበረት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት፣ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ንምሕላፍ ፍቓድ ክትረክብ ብዘይምኽኣላ፣ ድሕሪ ናይ 10 ሰዓታት በረራ፣ ናብ ዝተበገሰትሉ፣ ኣብ ከተማ ቪየና ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ክትምለስ ከምዝተገደደት ተገሊጹ።

እታ ቦይንግ 777 – 200ER ዝዓይነታ ነፋሪት፣ ብ02 ሕዳር፣ ካብ ከተማ ቪየና ተበጊሳ፣ ክሊ ኣየራት ሃንጋሪ፣ ሰርቢያ፣ ቡልጋርያ፣ ግብጺን ሱዳንን ሓሊፋ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ክሊ ኣየር ኤርትራ ምስ በጽሓት፣ ጉዕዞኣ ክትቅጽል ዘኽእላ ፍቓድ ክትረክብ ብዘይምኽኣላ፣ ብዝመጽኣቶ ክትምለስ ከምዝተገደደት፡ ኤሮቴሌግራፍ ንኣፈኛ ኩባንያ መንገዲ ኣየር ኦስትርያ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እታ ነፋሪት፣ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ንምሕላፍ ፍቓድ ዘይረኸበትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

እንተኾነ፣ ክልተ መዓልታት ኣቐዲሙ፣ በቲ ኩባንያ እትውነን ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት፣ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ስለዝሓለፈት፣ እዛ ቦይንግ 777 ዝዓይነታ ነፋሪት ክትምለስ ዝተገደደትሉ ምኽንያት፣ ተቖጻጻሪ ትራፊክ ኣቭየሽን ኤርትራ፣ ናይ እወታ ቅልጡፍ ናይ እወታ ሓበሬታ ክህባ ብዘይምኽኣሉ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

እታ ዝተመልሰት ነፋሪት፣ መንገዳ ብምቕያር፣ ናይ ካልኦት ሃገራት ክሊ ኣየር ተጠቒማ ጉዕዞኣ ክትቕጽል ዘይክኣለትሉ ምኽንያት እኹል ነዳዲ ስለዘይነበራ ኣብረርታ፡ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ናብ ዝበገሰትሉ ምምላስ ስለዝወሰኑ ዩ ተባሂሉ ይእመን።

ድሕሪዛ ዝተመልሰ ነፋሪት፣ ብ03 ሕዳር፣ ካብ ቭየና ዝተበገሰት ካልእ ነፋሪት ጉዕዞኣ ብመንገዲ ክሊ ኣየር ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብን ዖማን ናብ ሞሪሽየስ ከምዘምርሐት መንገዲ ኣየር ኦስትርያ ሓቢሩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0