UPDATE: መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዳዕሮ ጳውሎስ 220 ኣባይቲ ኣፍሪሱ

UPDATE: መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዳዕሮ ጳውሎስ 220 ኣባይቲ ኣፍሪሱ

Radio Erena : 03 April 2015

Daro4

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራ መንበሪ ኣባይቲ ንምፍራስ ከካይዶ ድሕሪ ዝጸንሐ ምድላዋት፣ ብሮቡዕ 1 ሚያዝያ 2015 ኣብ ዳዕሮ ጳውሎስ 220 ኣባይቲ ከምዘፍረሰ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቲ መንግስቲ፣ ኣቐዲሙ ን320 ኣባይቲ ቀይሕ ምልክት ጌርሉ ከምዝነበረ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ፣ ነቲ 220 ከፍርሶ እንከሎ 100 ኣባይቲ ድማ ኣብ ዝቕጽል ከፍርሶ’ዩ።

እቲ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ ብሰራዊት ተሰንዩ ከምዝተኻየደ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ ኣብ ካልኦት ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን’ውን ክቕጽል’ዩ።

 

ብሰንኪ’ዚ ብሰፊሑ ዝቕጽል ዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ስድራቤታት ብዘይ መጽለሊ ክትረፉን ንሳቶም ንብረቶምን ክከላበቱን እንከለዉ፣ ናብ ኣዝማድን ቤተሰብን ክዕቖቡ ድማ ክከላበቱ ይርኣዩ።

ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጸመገም መነባብሮ ብፍላይ ድማ ኣብ ከቢድ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ እናሃለው፣ እሞ ኸኣ ሚልዮናት ናቕፋ ገንዘብ እናውጸ ንዝሃነጾ ኣባይቲ ብስቕታ ክዕዘብ ዝጸንሐ መንግስቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከፍርሶ ምውሳኑ ኣብ ገዛእ ህዝቡ ሓልዮት ከምዘብሉ ዘግሃደ ተወሳኺ ፍጻሜ ምዃኑ ኤርትራውያን ብሰፊሑ ይዛረብሉ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0