ኣልሸባብ፣ መብዛሕቶም ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብዎም ብውሕዱ 147 ሰባት ቀቲሉ

ኣልሸባብ፣ መብዛሕቶም ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብዎም ብውሕዱ 147 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena : 03 April 2015

kenya

ኣልሸባብ ኣብ ኣብ ኬንያ ኣብ ጋሪሳ ኣብ እትርከብ ዩኒቨርስቲ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ መብዛሕቶም ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ 147 ሰባት ቀቲሉ።

እቲ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ፣ ኣብታ ምስ ሶማልያ እተዳውብ ዞባ ጋሪሳ ንእትርከብ ዩኒቨርሲቲ ብለይቲ ወሪሩ ብምእታው፣ ንኣማኢት ተማህሮ ጅሆ ድሕሪ ምሓዝ’ዩ ነቶም ልዕሊ 147 ቀቲልዎም።

ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ኬንያ ምስቶም ንተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጅሆ ዝሓዙ ዕጡቓት ኣልሸባብ ንሓደ መዓልቲ ዝቀጸለ ናይ ቶኵሲ ምልውዋጥ እኳ እንተካይዱ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ዝውረደ ቅዝፈት ግና ከወግድዎ ኣይከኣሉን።

 

ኣብቲ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ’ውን ኣማኢት ሰባት ቖሲሎም።

ኣልሸባብ ንመብዛሕቶም እቶም ዝቐተሎም ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ፣ ኣመንቲ ክርስትና ምዃኖም እናፈለየ ከምዝረሸኖምዩ ተሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ፣ ኣልሸባብ ኣብ ከባቢ ጋሪሳ መጥቃዕቲ ከካይድ ከምዝኽእል ኣቐዲሞም ሓበሬታ ረኺቦም እኳ እንተነበሩ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ክገትእዎ ግና ኣይከኣሉን።

ኬንያ ነዚ ካብ ኣልሸባብ ዝፍነወላ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ንምግታእ፣ ነቲ ምስ ሶማልያ ዘዳውባ ከባቢታት ብመንደቕ ክትሓጽሮን ናይ ጸጥታ ዞባ ከተቕውምን ምዃና ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጻ ኣይርሳዕን።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0