መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ምፍራስ ኣባይቲ ንምቕጻሉ ምድላዋት ይገብር ኣሎ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ምፍራስ ኣባይቲ ንምቕጻሉ ምድላዋት ይገብር ኣሎ

Radio Erena : 01 April 2015

house ders

መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ ንምቕጻል ምድላዋት የካይድ ምህላዉ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

እቲ መንግስቲ ኣብ ዞባ ማእከል ድሕሪ ዝጀመሮ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ወፍሪ፣ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ብሰንኪ ብሰንኪ ዘጋጠመ ተቓውሞ ህዝቢ ንግዜኡ ደው ኣቢልዎ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ሕጂ’ውን ኣብ ዞባ ደቡብ ከተማታት ዓዲ ቀይሕ፣ ሰንዓፈ፣ ሰገነይቲ፣ ደቀምሓረን መንደፈራን ንዝፈርስ ኣባይቲ ቀይሕ ምልክት ምግባር ይቕጽል ኣሎ።

ካድራት ናይቲ መንግስቲ፣ እቲ ኣብይቲ ቅድሚ ምፍራሱ ህዝቢ ባዕሉ ዚንጎ፣ ሞራልን ካልእ ንብረት ክእክብ ምፍርራሕን ጸቕጥን ይገብሩ ኣለዉ።

 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ክመጽእ ዝጸንሐ ዋሕዲ ነዳዲ፣ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ተወሳኺ ጸገም ፈጢሩ ምህላዉ ካብ ሓያሎ ኩርንዓት ኤርትራ በብግዜኡ ክመጸና ዝጸንሐ ሓበሬታ የመልክት።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0