ሕብረት ኤውሮጳ፣ መስርሕ ቪዛ ኢትዮጵያውያን ከደናጒ ወሲኑ

RADIO ERENA – Wednesday, 01 May 2024

ሕብረት ኣውሮጳ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንኢትዮጵያውያን ዜጋታት ናብተን ኣባላት ሃገራት ናይቲ ሕብረት ክኣትዉ ዝወሃብ ቪዛ ደረት ክግበረሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ብተወሳኺ ብዙሕነት ዘለዎ ቪዛ ምሃብ መግትኢ ክገብረሉ ምዃኑ ከምኡ ውን ንዲፕሎማሰኛታት ይኹን ብ ኣገልግሎት ናብተን ሃገራት ዝንቀስቐሱ ኢትዮጵያውያን ናይ ቪዛ ክፍሊት ከምዘይለዓል ኣተሓሳሲቡ።

ቪዛ ንምርካብ እውን ነዊሕ ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል፣ እቲ ቀደም 15 መዓልታት ዝነበረ መስርሕ ምውሃብ ቪዛ ክሳብ 45 መዓልታት ወይ ልዕሊኡ ክወስድ ከምዝኽእል ገሊጹ።

እቲ ሕብረት ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት፣ ኢትዮጵያ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታታ ናብ ሃገራ ንምምላሶም ምትሕብባር ኣይትገብርንያ ብዝብል`ዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ እዚ እገዳታት መዓስ ከምዝለዓል ኣይገለጸን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 380 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0