ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲኣ ዓጽያቶ

ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲኣ ዓጽያቶ

Radio Erena : 20 March 2015

USDJ

ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲኣ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣት ከምዝዓጸወቶ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ትማሊ ሓሙስ 19 መጋቢት ዝተዓጽወ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ፣ ኣብ ጸጥታዊ ጉዳይ ተወሳኺ መጽናዕትን ምጽራይን ክሳብ ሰኑይ ዕጹው ኮይኑ ክቕጽል’ዩ።

እቲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ ድማ፣ ንዝተወሰነ ግዜ ዝኾነ ኣገልግሎት ከምዘይህብ ብምሕባር፣ ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኣመሪካውያን ልዑል ጥንቓቐ ክገብኢ ጸዊዑ።

ኣመሪካ፣ ንምዕጻው እቲ ኤምባሲ ዘገደደ ጸጥታዊ ምኽንያት ብዝርዝር ኣይሓበረትን።

እንተኾነ ምዕጻው እቲ ኤምባሲ ምስቲ ካብ የመንን ሶማልያን ክመጽእ ዝክእል ሽበራዊ ስግኣት ከምዝተሓሓዝ ማዕከናት ዜና የመልክቱ።

 

ኣመሪካ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲኣ’ውን ብዝርዝር ብዘይተገልጸ ጸጥታዊ ምኽንያት ከምዝዓጸወቶ ጋዜጣ ለ ፊጋሮ ናይ ፈረንሳ ሓቢራ።

ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክህልዋ እንከሎ፣ሽበራውያን ጉጅለታት ንምህዳን ኣብ የመንን ሶማልን ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እተካይዶ ስርሒታት’ውን ካብዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ከምእትብገስ’ዩ ዝንገር።

===========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0