RADIO ERENA –Tuesday, 02 April 2024
ኣብ መስከረም 2016 ዝጀመረ ማሕበራዊ መራኸቢ ምውዐላ(App) ‘ቲክቶክ‘ (TikTok) ክጅምር እንከሎ ዕላምኡ ተጠቀምቲ መሃሪ: መዘናግዒ: ምህዞን ሰንዓን: ሳዕስዒትን ደርፍን ካልእን እዩ ዝበልዎ ሓጸርቲ ቪድዮታት ምስ መሓዙቶምን ሰዓብቶምን ከካፍሉ ዕድል ንምፍጣር እዩ ኔሩ::
‘ተልእኾና ፈጠራ ንምትብባዕን ሓጎስ ምፍጣርን እዩ‘ ብዝብል ቴማ ዝተበገሰ ‘ቲክቶክ‘ ትምህርታዊ ሓዘል ጥቕምታት‘ኳ እንተሃለዎ ሓያሎ ዘይሓላፍነታውያን ተጠቀምቱ፤ ጽልኢ ኣብ ምዝርጋሕ: ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ካልእን የውዕልዎ ብምህላዎም ማዕረ ጥቕሙ ጉድኣቱ‘ውን እናበዝሐ ይመጽእ ኣሎ::
ኣብ ቻይና ብዝመደበሩ ‘ባይት ዳንስ‘ (ByteDance) ዝብሃል ትካል ምውዐላ(App) ዝውነን ‘ቲክቶክ‘ብተወሳኺ ወልፊ ዘትሕዝ ብምኳኑ: ሓያሎ ተጠቀምቱ ብፍላይ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ዝበዝሕ ግዜኦም ኣብኡ የባኽኑ ብምህላዎም ስነ–ኣእምሮኣውን ኣካላውን ድኽመት ኣውሪዱ ናብ ጸቕጢ: ሻቕሎት:ባዶነትን ካልእ ስነ–ኣእምሮኣዊ ኩነትን የምርሖም ኣሎ::
ኣብ ኣስታት ክልተ ቢልዮን ተንቀሳቐስቲ ተሌፎናት ተጻዒኑ ወርሓዊ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ህዝቢ ተጠቀምቲ ዘለዉዎ ‘ቲክቶክ‘ ንኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ብእወታን ኣሉታን ኣብ ምጽላው ክርከብ እንከሎ ዝያዳ ግን እቲ ኣሉታ ኣሻቓሊ ኮይኑ ይርከብ::
ኣብ ኣፍሪቃ ሓያሎ ተጠቀምቲ ‘ቲክቶክ‘ ነቲ ምውዐላ ናብ ሕማቕ ንሕብረተሰብ ዝጎድእ ብምውዓሎም ኣቐዲመን ሶማልያን ሰኔጋልን ካብ ሃገረን ክእግደኦ እንከለዋ ብሳዕቤኑ ዝተሻቐሉ ተቓለስቲ ድሕነት ኣብ ኬንያን ኡጋንዳን ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃን‘ውን ‘ቲክቶክ‘ ኣብ ሃገሮም ክዕጾ ይጽውዑ ኣለዉ::
በዚ መሰረት ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ትካል ‘ቲክቶክ‘ ብምዝርራብ እቲ ትካል ‘ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘይ ኣገባብ ምጥቃም ጎዳኢ ምኳኑ ዝገልጹ ቪድዮታትን ኣስተምህሮታትን ክዝርጋሕ ተሰማሚዖም::
እቲ ዝዝርጋሕ ቪድዮታት መምህራንን ክኢላታትን ብምውሳእ ተጠቀምቲ ንእወታዊ ጥቕሚ ከውዕልዎ ዝጉስጉስ እዩ::
‘ቲክቶክ‘ ኣብ ልዕሊ‘ቲ ዝህቦ ናይ ፈጠራውነት ምዝንጋዕን ጥቕሚ ሓያሎ ኣብ ምኩስጓስ ጽልኢ:ሃይማኖታዊ ምፍሕፋሕ: ዓሌታዊ ግጭት: ጸወታዊ ግፍዒን ካልእን ይጥቀምሉ ኣለዉ::
ኣብ ዲያስፖራ ዝቕመጡ ኤርትራውያን‘ውን ውሑዳት ገዱፍካ ዝበዝሑ ‘ቲክቶክ‘ ኣብ ዘየድሊ መዓላ ጽልእን ሕሜትን እዮም ዝጥቀምሉ ዙለዉ::
=======================
COMMENTS