RADIO ERENA – Friday, 08 MArch 2024
ኣብ ዓመተ 2023- 2024፣ ብደረጃ ዓለም፣ 29 ደቂንስትዮ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኮይነን ህዝብታትን ሃገራተንን ኣብ ምግልጋል ይርከባ።
እዘን ደቂንስትዮ፣ ከም ከም ዓይነት ሃገራተን ዝምርሓሉ ስርዓተ–መንግስቲ። ገሊኤን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊኤን ድማ ናይ ፕረዚደንት ጽፍሒ ዝሓዛ‘የን።
ሓሙሽተ ካብዘን ደቂንስትዮ፣ 54 ሃገራት ኣብ ዝሓቖፈት ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ‘የን ዘለዋ።
ብቀዳማይ ሚኒስስተር ኢትዮጵያ ኣብ እትምራሕ ሃገር፣ ፕረዚደንት ሳህለወቅር ዘውደ፣ ጽምብላዊ ስልጣን ክትሕዝ እንከላ፣ ብፕረዚደንት ኣብ እትምራሕ ሃገረ– ኡጋንዳ ድማ፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሮቢና ናማንጃ መራሒት መንግስቲ‘ያ።
ፕረዚደንት ታንዛንያ፣ ሳምያ ስሉሁ ሓሰን፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ቶጎ፣ ቪክትዋኽ ዶግበን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ናሚብያ፣ ሳራ ኩኮንግዌላ–ኣማዲላን እተን ዝተረፋ ኣብ ዝልዓለ ስልጣን ሃገርን መንግስቲን ዝርከባ ደቂንስትዮ ሃገራት ኣፍሪቃ‘የን።
27 ኣባላት ሃገራት ኣብ ዝሓቖፈ ሕብረት ኤውሮጳ እንተርኢና ድማ፣ ኣብዚ ቀረባ ካብ ስልጣን ዝተኣልየት ቀዳማይቲ ሚኒስተር ፈረንሳ እትርከበን 9 ደቂንስትዮ ዝልዓለ መሪሕነትን ሃገራን መንግስቲን ይሕዛ።
ብደቂንስትዮ ዝምራሕ ሃገርን መንግስትን ዘለወን ሃገራት ሕብረት፣– ኢጣልያ፣ ደንማርክ፣ ግሪክ፣ ኢስቶንያ፣ ላትቪያ፣ ሊትዋንያ፣ ስሎቫክያን ስሎቬንያን‘የን።
ኤስያ ምስ ዘለዎ ስፍሓትን ብዝሒ ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዝወሓዳ ደቂንስትዮ‘የን ኣብ ስልጣን ዝርከባ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ባንግላዲሽን ሸኽ ሓሲና ዋጅድ፣ ፕረዚደንት ህንዲ ድሮፓዲ ሙርሙ ከምኡ ድማ ፕረዚደንት ታይዋን፣ ጻይ ኢንግ–ዌን፣ ሰለስቲኤን ጥራይ‘የን።
ብደቂንስትዮ ዝምራሕ ሃገርን መንግስቲን ዘለወን ካልኦት ሃገር ድማ፣– ኒውዚላንድ፣ ፔሩ፣ ሰርብያ፣ ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና፣ ጆርጅያ፣ ሆንዱራስ፣ ሃንጋሪ፣ ኣይስላንድ፣ ሞልዶቪኣ፣ ሳማኦ፣ ባርቤዶስን ትሪናዳድ ቶባጎን‘የን።
ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝኾና 193 ሃገራት፣ ብዝሒ ኣብ ስልጣን ዘለዋ ደቂንስትዮ ኣዝዩ ውሑድ እኳ እንተኾነ፣ ዝርአ ዘሎ ለውጢን፣ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ብሓያል ናህሪ ኣብ ፖለቲካ ብዝልዓለ ይዋስኣን ወሳኒ ጽፍሕታትን ይሕዛን ከምዘለዋ‘ዩ ግሎባል ራይትስ ፎር ዉመን ዘመልክት።
ካብ መራሕቲ ሃግራትን መንግስታትን ወጻኢ፣ ብደረጃ ሚኒስተራት፣ ኣባላት ባይቶ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ካልእ ጽፍሕታትን ናይ ዝርከብ ብዝሒ ደቂንስትዮ‘ውን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ወሰኽ የርኢ ከምዘሎ ‘ዩ ዝምልከት።
===================
COMMENTS