ማእከላይ ባሕሪ፣ ኤርትራውያን ዝርክብዎም 34 ሓተቲ ዑቕባ ዝሓዘት ጃልባ ጥሒላ

RADIO ERENA:- Wednesday , 28 February 2024

ብዓርቢ 23 ለካቲት ካብ ማልታ ንደቡብ 6.5 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ዝጸዓነት ጃልባ ከምዝጠሓለት ካብ ኣባላት ሂወት ኣድሕን ማልታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቶም ካብ ሊብያ ከምዝተበገሱ ዝተገልጹ ሓተቲ ዑቕባ ዜጋታት ኤርትራ፣ ግብጺ፣ ጋናን ሶርያን ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

እታ 34 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ፣ ሰራሕተኛታት ሓለዋ ባሕሪ ማልታ ኣብ መስርሕ ምድሓና ከለዉ ብሃንደበት ከምዝተገልበጠት ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ምኽንያት ምግልባጥ ናይታ ጃልባ ተሳፈርቲ ንኽድሕኑ ብዝገበርርዎ ምንቅስቓስ ናብ ሓደ ወገን ዘቢላ ክትከውን ከምትኽእል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ማልታ ኮሎኔል ኤድሪክ ዛህራ ገሊጹ።

ኣብኣ ካብ ዝነበሩ ሓንቲ ጓልንስተይቲ ትርከቦም 5 ክሞቱ እንከለዉ፣ 8 ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም።

ማልታ ኣብ 2023፣ 380 ሓተቲ ዑቕባ ከተድሕን እንከላ ካልኦት 1700 ድማ ናብ ሃገሮም ከምዝመለሰት ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 2500 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ጣልያን ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጠሓሉ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ይሕብር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0