ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ድሕርቲ ናብ ዩክሬን ሰራዊት ምልኣኽ ኣድላዪ ክኸውን ከምዝኽእል ምግላጹ፡ ካብ ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳን ተቓውሞ ገጢምዎ

RADIO ERENA:- Wednesday , 28 February 2024

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ድሕርቲ ናብ ዩክሬን ሰራዊት ምልኣኽ ኣድላዪ ክኸውን ከምዝኽእል ምግላጹ፡ ካብ ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳን ነቐፌታ ገጢምዎ።

ሩስያ ብወገና ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ እንተተወሲዱ ናብ ዝበኣሰ ኲናት ክትኣቱ ከም ትኽእል ኣጠንቂቓ።

ገስጋስ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እናወሰኸ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ንዩክሬን ንምድጋፍ እንታይ ህጹጽ ስጉምታት ክውሰድ ከምዝኽእል ንምዝታይ ኤውሮጳውያን መሻርኽቲ ኣብ ፓሪስ ኣኼባ ከምዘካየዱ ይፍለጥ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣጽዋር ጥራይ ምልኣኽ ኣኻሊ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

ወሃቢት ቃል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ኣድሪን ዋትሰን፣ “ፕረዚደንት ባይደን ኣመሪካ ኣብ ዩክሬን ዝዋጋእ ሰራዊት ከምዘይትልእኽ ብንጹር ገሊጹዩ” ብምባል ምስታፍ ወተሃደራት ኔቶ ኣብ ዩክሬን፣ ምስ ሩስያ ቀጥታዊ ግጭት ዘይተርፍ ከምዝገብሮ ኣጠንቂቓ።

ኔቶ ብተወሳኺ ብሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ዩክሬን ንወተሃደራት ውግእ ኔቶ ዝምልከት መደብ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ዶናልድ ታስክ፣ ነዚ ብፕረዚደንት ፈረንሳ ዝቐረበ ወተሃደራት ናብ ዩክሬን ምልኣኽ ዝብል ሓሳብ ብወግዒ ነጺግዎ።

እዚ ብፕረዚደንት ኤማኑኤል ዝቐረበ እማመ ብፖለቲከኛታትን ተቓወምቲ ሰልፍታት እውን ሓያል ነቐፌታ ኣስዒቡ እዩ።

መራሒ ሰልፊ ሶሻሊስት ኦሊቨር ፋውረ፣ ርእይቶ ማክሮን ንሕብረት ኤውሮጳ ንምብታን ጥራይ ከምዘገልግል ክዛረብ እንከሎ፣ ሓላፊ የማናዊ ሰልፊ ሌስ ሪፓብሊካን ኤሪክ ሲዮቲ ድማ ርእይቶ ማክሮን ከቢድ ሳዕቤን ዘኸትል ምዃኑ ገሊጹ።

ካብ የማናዊ ሰልፊ ናሽናል ራሊ ዝኾነት ማሪን ለ ፐን ውን ማክሮን “ን70 ሚልዮን ህዝቢ ፈረንሳ ናይ ህላወ ሓደጋ የስዕብ ኣሎ” ክትብል ኣተሓሳሲባ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0