ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዕዉት ቅድድም ክላሲክ ኮይኑ

Radio Erena: Thursday, 25 January 2024

ሎሚ ሓሙስ 25 ጥሪ 2024 ወጋሕታ: ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክለታ: ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarche-Wanty ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ: ቀዲሙ መዛዘሚ ሕንጻጽ ብምርጋጽ ዕዉት ኮይኑ::

እዚ ሎሚ ኣብ Surf Coast ብዝብል ስም ዝፍለጥ: 155 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ቅድድም ክላሲክ ዝተመዝገበ ረዚን ዓወት: ንቢንያም ቦኽሪ ዓወቱ ናይ ዓመተ 2024 እዩ:: ቢኒ በዚ ናይ ሎሚ ውጽኢት 125 ነጥብታት UCI ክኻዕብት በቒዑ ኣሎ::

ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ጽቡቕ ቑመና ዝርከብ ቢንያም: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: ኣብ ተመሳሳሊ ሃገር ኣብ ዘካየዶ 6 መድረኻት ዝሓቖፈ ውድድር Tour Down Under ‘ውን: 2 ግዜ ምስ ቀዳሞት 3 ብሉጻት ተቐዳደምቲ ኣትዩ: ስሙ ኣብ ርእሲ ምድማቑ: ብሓፈሻ ኣብ ቕልስ ቀጠልያ ማልያ ሽኳ ካልኣይ ደረጃ ክስራዕ ክኢሉ እዩ::

ኣባል ኣሜሪካዊት ዎርልድ ቱር ቲም Lidl-Trek ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብወገኑ: ሓሙሻይ ርእሱ ሃዲሙ ጽቡቕ ምንቕስቓስ ክገብር’ኳ እንተርፈደ: ኣብ ኣጋ መወዳእታ ብዓባይ ጉጅለ ስለ ዝተዋሕጠ ግን: መበል 62 ተርታ ተሰሪዑ ቅድድሙ ፈጺሙ::

ዝስዕብ ውድድር ቢንያምን ናትናኤልን: ዝመጽእ ሰንበት ወጋሕታ: 176.5 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝዓምም ቅድምም ክላሲክ Cadel Evans Great Ocean ክኸውን እዩ::

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0