ኣባል ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ተሓጋጋዚ ዋና ኣዛዚ ሰራዊትን ያሲር ኣልዓታ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣንጻር ኢማራት ዓረብ ዝቐንዐ ጥርዓን ከቕርብ ምዃኑ ኣጠንቂቑ

Radio Erena: Wednesday, 24 January 2024

ኣባል ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ተሓጋጋዚ ዋና ኣዛዚ ሰራዊትን ያሲር ኣልዓታ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣንጻር ኢማራት ዓረብ ዝቐንዐ ጥርዓን ናብ ዞባዊ ውድባትን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከቕርብ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ዕጥቃዊ ግጭት ክካየድ ተሳትፎ ምግባራ ይኸስስ።

ብደረጃ ዓለም ልዑል ተቐባልነት ዘለዋ ዎል ስትሪት ጆርናል ብ10 ነሓሰ 2023 ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኢማራት፣ ኣብቲ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ዝተወልዐ ኵናት ጣልቓ ብምእታው፣ ንፈጣን ሓይልታት ተዕጥቕ ምህላዋ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣቕሪባ ኔራ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብጉጅለ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኢማራት ዓረብ ካብ ዝሓለፈ ሓጋይ ጀሚሩ ብመንገዲ ቻድን ሊብያን ኣቢላ ንፈጣን ሓይልታት ሱዳን (RSF) ዘቕረበቶ ወተሃደራዊ ቀረብ ብዝርዝር ኣቕሪቡ።

እቲ ጸብጻብ ተሳትፎ ወጻእተኛታት ወተሃደራትውን ኣረጋጊጹ።

ያሲር ኣልዓታ፣ ፈጣን ብጀነራል ሓሚቲ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ሳላ እዚ ደገፍ’ዚ ንመብዛሕትኡ ግዝኣታት ዳርፉር ክቆጻጸር ከም ዘኽኣሎ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ያሲር ኣልዓታ፣ ደቡብ ሱዳን ቀረብ ነዳድን መግብን ብምኽፋት ንፈጣን ሓይልታት ክትድግፍ እንከላ፣ ካብ ቻድ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶርያ፣ ሊብያን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ዝመጹ ዓበይቲ ጉጅለታት ዕሱባት ከምዝተሳተፉ ውን ይኸስስ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ፣ ሓደ ሓደ ሃገራት ንፈጣን ሓይልታት ይድግፋ ምህላወን ክወቅስ እኳ እንተጸንሐ፣ ስም እተን ሃገራት ካብ ምርቛሕ ግና ተቖጢቡ`ዩ ጸኒሑ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0