ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘዋስን ቦታ ኣብ ዝተኻየደ ድብያ፣ ኣማሓዳሪ ዝርከቦም ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Friday, 05 January 2024

ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ዞባ ኣብየይ ኣብ ዝተኻየደ ድብያ፣ ላዕለዋይ ኣምሓዳሪ ዝርከቦም ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና ገሊጸን።

ምክትል ኣምሓዳሪ ዞባ ኣብየይ፣ ኑን ደንግ፣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝተዳለወ ጽምብል ተሳቲፉ እናተመልሰ እንከሎ፣ ኣድብዮም ዝጸንሑ ዕጡቓት ብዝኸፈትሉ ቶዅሲ፣ ዓጀብቱን መራሕ መኪናኡን ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ዞባ፣ ካብ ቀቢላ ዲንካ ዝኾኑ ክልተ ዓሌታት ብዘለዎም ሓድሕዳዊ ቅርሕንቲ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞሞ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ‘ዩ ግምታት ዝወሃቦ።

ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ኣብየይ፣ ብዘይካ’ቲ ዘለዎ ናይ ቀቢላ ግጭታት፣ ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘሰሓሕብ ተኣፋፊ ዞባ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0