ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዞባዊ ዑደቱ ብምቕጻል ናብ ኬንያ ኣምሪሑ

Radio Erena: Friday, 05 January 2024

ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፣ ኣብ ዲፕሎማስን ተኽእሎ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲን ንምዝታይ፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝጀመሮ ዑደት ብምቕጻል ናብ ኬንያ ኣምሪሑ።

ንሱ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሱዳንን ኢጋድ ክወስድ ዝኽእል ተበግሶ ዘተ ሰላምን ብዝምልከት ተዘራሪቡ።

ዑደቱ ዝሓለፈ ሰሙን ብኢትዮጵያ ዝፈለመ ጀነራል ዳጋሎ፣ ዛጊት ኣብ ኡጋንዳ፣ ጂቡቲን ኬንያን በጺሑ ኣሎ።

እቲ ጀነራል፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ጽልዋ ክህልወን ናብ ዝኽእል ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ‘ውን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ዳጋሎ፣ ብመንጎኝነት ኢጋድ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲን፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ብኣካል ብምርኻብ መደብ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ እቲ መደብ ምኽንያቱ ብዘይተጠቕሰ፣ ናብ ካልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ ‘ዩ ተሓቢሩ።

ግጭት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፣ 10ኣዋርሕ ኣቝጺሩ፣ ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ይኹን ኢጋድ ዝተፈተኑ ጻዕርታት ንስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ ከዕውቱ ኣይከኣሉን።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0