Radio Erena: Friday, 29 December 2023
መራሒ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ትማሊ ረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዮወሪ ሙሰቪኒ ከምዝተራኸበ ተፈሊጡ።
እዚ ድማ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ፈጣን ሓይልታትን ሰራዊት ሱዳንን ኩናት ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን’ዩ።
ጀነራል ሓሚቲን ዩወሪ ሙሰቪኒን ክልቲኦም ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት፣ ከምኡ’ውን ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንምቁራጽ ከምዝተዘራረቡ ተሓቢሩ።
ድሕሪ ናይ ኡጋንዳ ጻንሖቱ ጀነራል ሓሚቲ ትማሊ ሓሙስ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወ ተፈሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ብዝለጠፎ መልእኽቲ መሰረት ህሉው ኩነታት ሱዳን ንምፍታሕ ዝርርብ ንምክያድ፣ ንጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዶጋሎ ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ናይ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ጻንሖቱ ድማ ናብ ናይሮቢ ኬንያ ክበጽሕ ምኻኑ ተኣሚቱ።
ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከም ዝገለጽዎ ጀነራል ሓሚቲ በታ መንገዲ ኣየር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምኻኑ ዝተፈልጠ ነፋሪት ካብ ኣቡዳቢ ናብ ኢንተበ ኡጋንዳ ከምዝኣተወ ተገሊጹ።
ብኢጋድ ተማእኪሉ ኣብ ጂቡቲ ንትማሊ ሓሙስ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ርክብ ክልቲኦም ጀነራላት ሱዳን ብ”ቴክኒካዊ ምኽንያት” ከምዝተሰጋገረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጡ።
ጅቡቲ ናብ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፣ 28 ታሕሳስ 2023 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባ ብቴክኒካዊ ምኽንያት ናብ መጀመርታ ጥሪ 2024 ከምዝተሰጋገረ ብምጥቃስ፣ ልክዕ ዕለታት ኣብ ግዚኡ ከምዝሕበር ገሊጻ።
እቲ ኣኼባ፡ ቅድሚ ልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ግጭት ሱዳን ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ መንጎ ጀነራል ሰራዊት ሱዳን ዓብደል-ፋታሕ ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ናይ መጀመርታ ቀጥታዊ ርክብ ክኸውን’ዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ድሕርቲ መራሕቲ ሃገራት ምትእኽኻብ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ – ኢጋድ ዝሓለፈ ቀዳም 9 ታሕሳስ ንኲናት ሱዳን ኣመልኪቶም ኣብ ጅቡቲ ተራኺቦም ዝገበርዎ ምይይጥ፣ ኣብ ሱዳን ቅጽበታዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ክውሰድ ምጽውዖም ኣብቲ ስምምዕ ዘይነጸረን ዘይቅኑዕን ውዕላት ኣለዎ ብምባል ብወግዒ ነጺግዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዘለዎ ተቓውሞ ብምሃብ፣ ብፍላይ ድማ ምትእትታው ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዝምልከትን ሓለፍቲ ኢጋድ ምስ ልኡኽ ፈጣን ሓይልታት ተራኺቦም ዝብል ምጉት፣ ከምኡ’ውን ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ብጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ዝቐረበ ብግብጺ ዝምራሕ ተበግሶ ብሱዳን ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ ኔሩ።
74 ሚእታዊት ከተማ ካርቱምን ዝበዝሐ ምዕራባዊ ክፋልን ተቖጻጺሮም ዘለዉን ሰራዊት ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ኲናት ሱዳን ዝለዓለ ኢድ ሒዞም ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ከተማ ‘ፓርት ሱዳን’ ከም ግዝያዊት ዋና ከተማ ዝጥቀመላ ዘሎ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝመርሖ ሰራዊት ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ጥራይ ዝሓሸ ምንቅስቓስ ከምዘለዎ ይግለጽ ኣሎ።
ጀነራል ሓሚቲ ነቲ ወተሃደራቱ ኣብ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ብምዝማትን ብምቕታልን ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐረበሉ ክሲ ይነጽጎ።
=================
COMMENTS