ኢትዮጵያዊት ቀባኢት ጁሊ ምሕረቱ: ክብረወሰን ኣፍሪቃ ትሰብር

Radio Erena: Monday, 20 November 2023

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበራ ኢትዮጵያዊት ቀባኢት ጁሊ ምሕረቱ ዝቐብኣታ ቅብኣ 10.7 ሚልዮን ዶላር ተሸይጣ::

ጁሊ ምሕረቱ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልደት ብምኳኖ እታ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ብጨረታ ዝተሸጠት “Walkers With the Dawn and Morning fetched” ዝተሰምየት ናይ ቅብኣ ስራሕ ብመሸጣ ናይ ኣፍሪቃ ክብረወሰን መሸጣ ዝሰበረት ተባሂላ ተመዝጊባ::

ጓል 52 ዓመት ጁሊ ምሕረቱ ኣብ 1977 ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ንምምላጥ ምስ ስድራቤታ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተሰደት ቀባኢት እያ::

ንሳ ካብ ግዜ ቁልዕነታ ኣብ ስነ-ጥበብ ቅብኣ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ኮይና ኣብ ዘመናዊ ቅብኣ ኣፍሪቃ ዝንኣድ እጃም ኣበርኪታ እያ::

ጁሊ ምሕረቱ ቅድሚ ሕጂ’ውን ንሓንቲ ቅብኣ ብ9.3 ሚልዮን ዶላር ሸይጣ ብምንባራ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ክብረወሰን’ውን ናታ እዩ ኔሩ::

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0