ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ኮሌራ ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

Radio Erena: Wednesday, 15 November 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ነሓሰ 2022 ኣትሒዙ ተላቢዑ ብዘሎ ሕማም ኮሌራ፣ ብውሕዱ 370 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ኣብ ምወላ ህጹጽ ጉዳያት ዘተኩር ትካል ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንጸብጻብ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ልዕሊ 26 ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ኣፍሊጡ።

ሕማም ኮሌራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓመት ክላባዕ እኳ እንተጀመረ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብታ ሃገር ፣ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ ግጭትን፣ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ትግራይ ዘሎ ኩነታትን፣ ንምቑጽጻሩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ’ዩ ተሓቢሩ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ነቲ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ንምግታእ ዝውዕል ናይ ኣስታት 1 ሚልዮን ኤውሮ ህጹጽ ምወላ ጌሩ ኣሎ።

እቲ ሕበርት ኣቐዲሙ፣ ኣብ ዳግመ ሕውየት ብኩናት ዝዓነወ ትካላት ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ህጹጽ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝውዕል ልዕሊ 82 ሚልዮን ኤውሮ ንኢትዮጵያ ለጊሱ’ዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብሸነኹ ምስ ዝተፈላለዩ መሻርኽቱ ብምዃን፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ህወይት ኣማኢት ሰባት ዝቐዝፍ ዘሎ ሕማም ንምቑጽጻር ይሰርሕ ከምዘሎ’ዩ ዝጠቕስ።

ኮሌራ፣ ብሰንኪ ጽሬቱ ዘትሓለወ ኣከባቢ ዝላባዕን ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትልን ሕማም’ዩ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0