Radio Erena: Friday, 10 November 2023
ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን ንቀዳም 11 ሕዳር፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ዋዕላ፣ ንኻልእ እዋን ድሕሪ ምስግጋሩ፣ ኣምሳያኡ ብሃንደበት ዋዕላ ስዑዲ ዓረብን ሃገራት ኣፍሪቃ ክካየድ ከምዝተወሰነ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ንዓርቢ 10 ሕዳር ዝካየድ ዋዕላ ስዑዲ ዓረብን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ብውሕዱ 13 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፍዎ’ዮም።
ኣብ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ክሳተፋ መዲበን ዝነበራ ሃገራት ዓረብ ግና፣ ኣብ ቓዛ ኣብ ዘሎ ምዕባለታት ብምትኳር ን11ን 12 ሕዳር፣ ካልእ ህጹጽ ዋዕላ ሰሪዐን ኣለዋ።
ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን፣ ንቀዳም 11 ሕዳር፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብን ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ዋዕላ፣ ብሰንኪ ኣብ ቓዛ ዘሎ ምዕባለታት ንኻልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ’ዩ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፣ ብሰሉስ 07 ሕዳር ገሊጹ።
እቲ ሚኒስትሪ፣ ኣብ መግለጺኡ፣ መበል ሓሙሻይ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ናብ ካልእ ዘይተሓበረ ዕለት ንኽሰጋገር ዝተወሰነ፣ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ብምልዛብ ምዃኑ’ዩ ሓቢሩ።
ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ክካየድ ተወጢኑ ዝንበረ ዋዕላ ናብ ካልእ እዋን ዘሰጋገረት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ክንድኡ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብን እስላምን፣ ኣብ ጉዳይ ቓዛ ንምዝታይ፣ ህጹጽ ኣኼባ ሰሪዓ ምህላዋ’ያ ኣረጋጊጻ።
ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዓርቢ 10 ሕዳር ከተካይዶ ዝወሰነት ዋዕላ፣ ብተብተብ ዝተወደበን ብዙሕ ኣተኩሮ ዘይተዋህቦን ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።
ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ኣስታት 500 ሚልዮን ዶላር ንግዳዊ ልውውጥን ወፍሪን ንምክያድ መደብ ከምዘለዋ’ውን ምስዚ ዋዕላ ኣተኣሳሲራ ገሊጻ ኣላ።
================
COMMENTS