ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ጎነጽ፣ ኣብ ደገ ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ስድራቤታት ኤርትራ ሻቕሎት ፈጢሩ

Radio Erena: Wednesday, 04 October 2023

ኣብ መንጎ ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢን ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ዝካየድ ዘሎ ጎነጽን ምቅትታልን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከብ ሓያሎ ኤርትራውያን ስድራቤታት ሻቕሎት ከምዝፈጠረለን ይሕብራ።

ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳን እስራኤልን፣ ብኤምባሲታት ህግደፍ ንዝተወደበ ፌስቲቫላት ደው ንምባል ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ስርሒታትን፣ ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ፣ ብኹሎም ወገናት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝውሕዝ ዘሎ ንተወሳኺ ጎነጽ ዝዝዕድም ጎስጋሳትን ናይ ጽልኢ ዘመተን፣ ኣብ ስደት ተወሊዶም ንዝዓበዩ መንእሰያት ብኣሉታ ከይጸሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ስግኣታቶም ይገልጹ።

እቲ ብፍትሒ ዝጠልቡ ተቓወምትን ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን፣ ናይ ደገፍን ስዕረትን ድምጺ ንምሃብ፣ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝውሕዝ ዘሎ ተንቀሳቓሲ ስእልታት፣ ጸርፊ፣ ምጉብዕባዕ ክሳብ ሸጓጉጥን ካራሩን ብምዕጣቕ፣ ንምቕታል ዘተባብዑን ዝጉስጉሱን ትሕዝቶታት ዘለዎ ብምዃኑ፣ ደቆም ነቲ ጎነጽ ዝበዝሖ ፍጻሜታት ተዓዚቦም ኣብ ትውልዲ ዓዶምን ህዝቦምን ዘለዎም ኣመለኻኽታ ብኣሉታ ከይጽሎ ገለ ስድራቤታት ንራድዮ ኤረና ምስክርነቶም ሂቦም።

ወደይ፣ ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ብጭካነ ክተሃራረሙን ክጸራረፉን ዝተቐድሐ ቪድዮ ገለ ክፋሉ ስለ ዘይተረድኦ ክትርጉመሉ ሒዝለይ ምስ መጸ ኣይኣመንኩን ትብል ሓንቲ ስማ ክትገልጽ ዘይደለየት ተቐማጢት ፈረንሳ ዝኾነት ኣደ።

ካልእ ኣቦ ውን ብተወሳኺ ደቅና ትግርኛ ክመሃሩ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ምስዚ ሕጂ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣመዛዚንካ ስክፍታ ክፈጥረልና ጀሚሩ ክብል ‘ዩ ጠቒሱ።

ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣንጻር ፌስቲቫላትን ምትእኽኻባትን ደገፍቲ ህግደፍ ዘካየድዎ ዘሎ ተቓውሞታት፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓት ዘለዎም ተሪር ጽልኢ ዘጉልሕ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ ሕግን ስርዓትን ኣብ ዘለዎ ሃገራት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ጎነጽን ምቅትታልን፣ ነቲ ለውጢ ዝጠልብ ድሌታት ብኣሉታ ከይጸሉ የስግእ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0