ኮንጎ ብራዛቪል፣ ን39 ዓመት ኣብ ስልጣን ንዘሎ መራሒ ንምእላይ ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱ ተባሂሉ ዝተጋውሐ ዜና ትነጽግ

Radio Erena: Wednesday, 20 September 2023

ብኮንጎ ብራዛቪል ኣብ እትፍለጥ፣ ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ን39 ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ንዘሎ፣ ፕረዚደንት ደኒ ሳሱ ንጌሶ ንምእላይ ፈተነ ወትሃደራዊ ዕልዋ ከምዝተኻየደ ዝተፈላለያ መርበባት ዜና ገሊጸን።

እንተኾነ፣ መንግስቲ እታ ሃገር፣ እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፣ ተፈቲኑ ዝተባህለ ዕልዋ ሓሶት’ዩ ክብል፣ መግለጺ ኣውጺኡ።

ግዝኣት ፈረንሳ ኣብ ዝነበራ ሓሙሽተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ድሕሪ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ዕልዋታታት፣ ናብ ካልኦት ሃገራት ‘ውን ክልሕም ከምዝኽእል መጠንቀቕታታት ክውሕዝ ጸኒሑ’ዩ።

ወዲ 79 ዓመት መራሕቲ እታ ሃገር፣ ሳሱ ንጌሶ፣ ኣብ መበል 78 ስሩዕ ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ፣ ናብ ኣመሪካ፣ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዝገሸሉ እዋን’ዩ ብማሕበራዊ ሜድያ ዕልዋ ከምዝተፈጸመሉ ተጋዊሑ።

ኮንጎ ብራዛቪል፣ ድሕሪ’ቲ ዝተጋወሐ ዜና ህዝባ ኣብ ሻቕሎት ወዲቑ ምንባሩ ዘመልከታ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ፣ መንግስቲ ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ ግና ናብራ ብስሩዕ ይቕጽል ምህላዉ ጠቒሰን።

መብዛሕተን ብምልካዊ ስርዓታት ንነዊሕ እዋን ዝመሓደራ ሃገራት፣ ድሕሪ ዝካየደ ዕልዋ፣ ናብ ሕንፍሽፍሽን ከምዝሽመማ ሰነዳት ታሪኽ ይእምንት።

ደኒ ሳሱ ንጌሶ፣ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብሓባር፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መራሕርቲ ተባሂሎም ምስ ቀዳሞት ሸሞንተ’ዮም ዝስርዑ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0