ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ’ውን እንተኾነ ገበናት ኵናት ይቕጽል ምህላዉ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም

Radio Erena: Wednesday, 20 September 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲን ህወሓትን፣ ኣብ ሕዳር 2022፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ምቝራጽ ቶኽሲ’ውን እንተኾነ፣ ገበናት ኵናት ይቕጽል ምህላዉ፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዙ ክኢልታት ገሊጾም።

ኣቦ መንበር ናይታ ናይ ክኢላታት ጉጅለ፣ መሓመድ ቻንዳ ዖትማን፣ ብ18 መስከረም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኢትዮጵያ፣ ናብ ደረጃ ሃገር ዝዓረገ ግጭታት ኣንጸላልዩዋ ምህላዉ ገሊጹ።

ጃምላዊ ቅትለት ‘ውን ቀጺሉ’ዩ ዝበለ እቲ እቲ ኣቦ መንበር፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመት፣ ዕንወት ከም ኣብያተ ትምህርቲን ሆስፒታላትን ዝኣመሰለ ትካላት ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞ’ውን ተመሳሳሊ ክስተት ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዕታት፣ ንወለዶታት ዝቕጽል ስምብራት ገዲፉ ምህላዉ ብምዝክኻር ድማ፣ ተኣማኒ ዝኾነ መስርሕ ፍትሒን ዕርቂን ምክያድ ከምዘድሊ ኣነጺሩ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ዝተፈጸመ ግህሰታት ንምግትኡ ይኹን ንምምርማር ከምዘይትዓተን፣ ኣብ ክንድኡ ግዳያት ዘይዓግብሉ መሰጋገሪ ናይ ፍትሒ መስርሕ ከተኣታቱ ከምዝመረጸ እቲ ጸብጻብ ነቒፉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0